ቤት መዘጋጃ ዓድዋ ን2010 ዓም ካብ ዝተመደበሎም በጀት ዓመት ናይቲ ቤት ፅሕፈት ከይዲ ስራሕቲ አገልግሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ቀወምትን ሃለቅትን ንብረት ኣቅሑት ፅሬት : መሳርሒ ፅሕፈት : ሕትመት : ኤሌክሮኒክስ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክድዕድግ ይደሊ

ቤት መዘጋጀ ከተማ ዓድዋ

1 ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎም በዚ ዘፈር ንግዲ ናይ 2010 ዓም በጀት ዘሐደሱ

2 መለለይ ቁፅሪ መለት እዉን ቲን ናምበር ተመዝገብቲ ዝኮኑ ቫት ወይ እዉን ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገቡን መረዳእታ መረጋገፂ ወረቀተ ምስክር ከቅርቡ ዝክእል

3 ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ናይ 2010 ዓም ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ከቅርቡ ዝክእል

4 እዚ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ካብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓድዋ ዕደጋ ፋይናንስ ምምሕዳር ንብረትን ንመሳርሒ ፅሕፈት ንምሳርሒ ፅሬት ከምእወን ሕትመት ሕድሕድ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ንኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ ድማ 100 ቅርሺ እናከፈሉ ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ይክእሉ እዩም

5 ናይ ጨረታ መከበሪ ቢድ ቦንድ ኣቅሑት ፅሬት መሳርሒ ፅሕፈትን ኣቅሑት ሕትመትን 1000 ቅርሺ ኮይኑ ብጥር ገንዝብ ወይድማ ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ሰርቲፋይድ ቼክ ወይድማ ስፒአ ወይ እዉን ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ዉሕስና ባንኪ ወይ እዉን ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሬተር ኦፍ ክሬዲት ከትሕዙ ይክእሉ

6 አቅሑት ፅሬታ ካብ 19 ሚያዝያ 2010 ዓም ክሳብ 3 ጉንበት 2010 ዓም ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ክሳብ ሰዓት 3:30 ናይ ንገሆ አታዊ ኮይኑ በቲ ዕለት ሰዓት 3:30 ይክፈት

7 መሳርሒ ፅሕፈት ካብ 19 ሚያዝያ 2010 ዓም ክሳብ 3 ጉንበት 2010 ዓም ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ክሳብ ሰዓት 8:00 ናይ ንገሆ አታዊ ኮይኑ በቲ ዕለት ሰዓት 8:00 ይክፈት

8 ንሰነድ ጨረታ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ ዝምልከት ድማ ካብ 20 ሚያዝያ 2010 ዓም ክሳብ 4 ጉንበት 2010 ዓም ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ክሳብ ሰዓት 3:30 ናይ ንገሆ አታዊ ኮይኑ በቲ ዕለት ሰዓት 3:30 ይክፈት

9 ኣቅሐት ሕትመት ካብ ካብ 20 ሚያዝያ 2010 ዓም ክሳብ 4 ጉንበት 2010 ዓም ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ክሳብ ሰዓት 8:00 ናይ ንገሆ አታዊ ኮይኑ በቲ ዕለት ሰዓት 8:00 ይክፈት

10 ተጫረቲ መከበሪ ጨረታ ንኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ 2000 ቅርሺ ብጥረ ገንዝብ ወይድማ ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ሰርቲፋይድ ቼክ ወይድማ ስፒአ ወይ እዉን ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ዉሕስና ባንኪ ወይ እዉን ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሬተር ኦፍ ክሬዲት ከትሕዙ ይክእሉ

11 ጨረታ ፀኒሑ ዝፀንሐሉ ግዘ ካብ 15 መዓልቲታት ዘይበልፅ ይከዉን

12 እቲ ቤት መዘጋጃ ዝሐሸ መማረፂ እንተኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

13 ሰዓርይ ዝኮን ዝስዓሮ ንብረት ናብ ቤት መዘጋጃ ከቅርብ አለዎ

14 መቅረባይ ኤሌክትሮኒክስ እንተናአሰ ንሐደ ዓመት ዉሕስና ክህብ አለዎ

15 እዚ ጨረታ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉዎ ይክፈት ወይድማ ብዝይምርካቦም እቲ ጨረታ ከይተከፈተ ኣየተርፍን

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0342712195 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo