ኤጀንሲ መዓድንን ኢነርጅን ክልል ትግራይ ዝተፈላለዩ ግልጋሎት ዝዉዕል ህንፃ መሳርሒ : ፈርኒቸር : ኮምፒተር : ሕትመት ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ

ኤጀንሲ ማዓድንን ኢነርጅን ክልል ትግራይ

1 ተጫረቲ ቫት ተመዝገብቲ ዝኮኑ ናይ 2010 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድን ሓድሽ መቅረባይነትን ዘሐደሰ 

2 መለለይ ቁፅሪ ማለት እዉን ቲን ናምበርን ከቀርቡ ዝኽእሉ 

3 ኣብ ተወሳኬ እሴት ታክስ ዝተመዝገብሉ ናይ ወርሒ ለከቲት 2010 ዓም ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእል 

4መኽበሪ ጨረታ ንመሳርሒ ህንፃ 5000 ቅርሺ : ንፈርኒችር 5000 ቅርሺ : ንኮምፒዩተር 5000 ቅርሺ : ንሕትመት 5000 ቅርሺ 5 ዝተዳለወ ጨረታ ደኩሜንት ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ንሕድሕድ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ብር 20 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ህንፃ ኤጄንሲ ማዕድንን ኢነርጅን ቢሮ ቁፅሪ 115 ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 1/09/2010 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ብስራሕ ሰዓት ምዉሳድ ይከአል 

5 ጨረታ ዝወፀሉ ዕለት 15/08/2010 ዓ/ም

6 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 1/09/2010 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ንጉሆ 

7 ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት 1/09/2010 ዓም ሰዓት 4:00 ንጉሆ

8 ጨረታ ዘሸነፉ መቅረብቲ ንዝስዓረዎ ኣቅሓ ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርት መፅዓንን መራገፍን መገጣጠምን ሸፊኖም ናብ ቤት ዕዩና የቅርቡ

9 በቲ ጨረታ ዝተሰዓሩ መቅረብቲ ወይ ግልጋሎት ወሃብቲ ጨረታ ኣናሊስስ ምስ ተወደአን ሰዓራይ ተፈሊጡ ዉዕሊ ምስአሰረ ዘተሓዝዎ ናይ ጨረታ መኽበሪ ይምለሰሎም 

10 ጨረታ ሰዓራይ መቅረቢ ንኩሉ ዓይነት ንብረት ዉዕል ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ 20 መዓልቲ አታዊ ዝገብር

11 ተጫራቲ ዋጋ ዘቅርብሉ በቲ ዝወፀ ስፐስፊኬሽን መሰረት ፅሬቶም ዝሐለዉን ኦርጅናል ምኻኖም አረጋጊፁ ከመለእ ይግባእ 12 ካብቲ ዝተቐመጠ ስፐስፊኬሽን ወፃኢ ካሊእ አማራፂ ተባሂሉ ዋጋ ከቐምጥን ኣብቲ ስፐስፊኬሽን ዘይተነፀረ ንብረት ምቅማጥ ኣይፍቀድን ተተቀሚጡ ድማ ዉድቂ ይከዉን 

13 ዝተቐመጠ በዝሒ 20 % ክዉስክን ክቅንስን ይክእል 

14 ቤት ዕዩና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

15 ተጫራታይ ዘቅርቦ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክሲ ዝሐወሰ ወይ ዘይሐወሰ ምኾኑ እንተዘይተመላኺቱ ተወሳኪ እሴት ታክሲ ሓዊሱ ከምዘተመለአ ይቑፀር 

16 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዝ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ 30 መዓልቲ ይከዉን 

17 ተጫረቲ ዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ዋናን ቅድሕን ዝብል በበይኑ ብምግባር ከቅርቡ አለዎም 

18 ናይ ግብሪ 15 % አብ ቤት ፅሕፈትና ነትርፍ ምካና ንግልፅ 

19 ከይዲ ጨረታ ብዘይአግባብ ምዛብዕ ምሙካር ብሕጊ ዘሕትትን አብ ዝኮነ ጨረታ ክሳብ ምእጋድ ስጎምቲ ዘስዕብ ምካኑ ክፈልጡ ይግባእ 

20 ቅድመ ክፍሊት ምሃብ አይፍቀድን

21 ካብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስ ወይድማ እግድ ዝክእል መንግስታዊ ትካል ዝተኣገደ ናይ እግድ እዋኑ ከየጠናቀቀ ምውድዳር ኣይከኣልን 

22 ንዝበለፀ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344401209 ምድዋል ይከአል እዩ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo