ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኦፍላ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ኣብ 2010 ዓም በጀት ዓመት ኣብቲ ወረዳ ንዝርከብ ኣብያተ ፅሕፈት ዝረከብ ኣገልግሎት ዝዉዕል ኣቅሑት ሎት ሐደ መሳርሒ ፅሕፈት : ሎት ክልተ ሕትመት :ሎት ሰለስተ ኣቅሑት ፅሬት : ሎት ኣርባዕተ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ : ሎት ሓሙሽተ ዝተፈላለዩ ኣቅሑት ቢሮ : ሎት ሽድሽት መለዋወጢ ኣቅሑት ሞተር ሳይክል : ዘርኢ ቀለብ እንስሳት ደንን በቲ ዘፍረ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ካብ ዘለዎም መቅረበቲ ብግለፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኦፍላ

1 በቲ ዘፈር ናይ 2010 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ዘለዎ

2 ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ንምካኑ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

3 ናይ 2010 ዓም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ዘለዎ

4 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዝተመዝገቡ ምካኖም መረዳእታ ወረቀት ምስክር ከቅርብ ዝክእል

5 ናይ ለካቲት 2010 ዓም ወርሓዊ ሒሳብ ዘወራረድሉ ዲክለሬር ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

6 ናይ ጨረታ መከበሪ 5000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒአ ወይ ቼክ ወይ አብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ከትሕዝ ዝክእል

7 በዝሒ ግዝኢት ብ 20 % ክዉስክን ክቅንስን ይክእል እዩ

8 ተጫረቲ ሰዓርቲ ምካኖም ካብ ዝተገለፀሉ መዓልቲ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስሩ አለዎም

9 እቲ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ጀሚሩ ን 45 መዓልቲ ፀኒዑ ይፀንሕ

10 ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ናይ በዓል ዋና ፌርማ:ስምን :ኣድራሻን :ማህተምን ክህልዎ አለዎ

11 እቲ ሰነድ ጨረታ ብዘይ ሰርዝ ድልዝ ክምልእ አለዎ

11 ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ ነንብይኑ ብዝተዓሸገ ብክልተ ፖስታ ከቀርብ አለዎ

12 ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ኦፍላ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ብምምፃእ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ካብ 11/8/2010 ዓም ክሳብ 30/8/2010 ዓም ኣብ ሰራሕ ሰዓት እቲ ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ይከኣል

12 እቲ ጨረታ 30/8/2010 ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት 30/8/2010 ልክዕ ሰዓት 4:30 ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኦፍላ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ይከፈት

13 ተጫረቲ ካማልእዎ ዝግባእ ዝርዝር ረቆሒታት ኣብ መምርሒ ጨረታ ምርኣየ ይከኣል

14 ቤት ፅሕፈትና ካልእ መማረፂ ተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0345510044 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo