ቤት ህንፀት መቐለ መደበኛ በጀት ዝክፈል ንተሃነፅትን አባላትን ዝዉዕል መድሓኒት ንብረት ካብ ሕጋዉያን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ይድሊ

ማእኸል ቤት ህንፀትመቐለ

1 በዚ ስራሕ ዘርፊ ናይ 2010 ዓ/ም ዝተሐደሰ ስራሕ ፍቃድን መቅረባይነትን ኮፒ ከቅርብ ዝክእል

2 ቲን መፍለዩ ቁፅሪ ዘለዎ ኮፒ ከቅርብ ዝክእል ከምኡድማ ቫት ተመዝጋቢ ዝኾነን ናይ ወርሒ ለካቲት 2010 ዓም ድክሌር ዝገበረ ፎቶ ኮፒ ከቅርብ ዝክእል

3 ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ መክበሪ ጨረታ 3000 ብር ብጥረ ገንዘብ ወይ ሕጋዊ ባንኪ ብዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዙ አለዎም

4 ተወዳደርቲ ናይ ሐደ ዋጋን ጠቅለላ ዋጋን ምስቫቱ ዋጋ ተመሊኡ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይ ተጫረቲ ንፁር ኣድራሻ ማህተምን ፌርማን ብምግባር ኣብቲ ናይ ቤት ፅሕፈትና ሰነድ ጨረታ ዋጋመምልኢ ተመሊኡ ብ2ተ ፖስጣ ኦርጅናልን ኮፐን ነንበይኑ ብምዕሻግ ነዚ ጨረታ እዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ኣብ ወከሰዕፋንምን ቢሮ ቁፅሪ 6 ከእትዉ ይክእሉ ድሕሪ ናይ ጨረታ ሳፁን ምዕፃዉ ዝመፅእ ፖስታ ይኩን ሓሳብ ተቀባልነት የብሉን

5 ተጫረቲ ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ዝገልፅ ካብ ዕለት 9/8/2010 ዓም ክሳብ 23/8/2010 ዓም ሰዓት 3:30 ዘይምለስ 30 ብር እነከፈሉ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 6ተ ክወስዱ ይክእሉ እቲ ጨረታ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ሰዓት 4:30 ቅድሚ ሰዓት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዝተረከብሉ ይኹን ኣብዘይተረከብሉ ይክፈት

6 እቲ ዝዕደግ ንብረት 20% ክዉስክን ወይ ክቅንስ ይክእለ ኮይኑ ዝክፈሎ ክፍሊት ድማ ልዕሊ 10000 ብር እንተኮይኑ 2% ዊዝ ሆልድ ታክሲ ይከፍል

7 መስራቤትና ዘሐሸ መማረፂ እንተኪቡ እቲ ዝርዝር ንብረት ጨረታ ብክፈል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

8 ንተወሳኪ ሐበሬታ ብኣካል ወይ ብስልኪ ቁፅሪ 0344411454 ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo