ቤት ፅሕፈት ፕላንን ፋይናንስን ወረዳ ክልተ ኣዉላዕሎ ኣብ በጀት ዓመት 2010 ዓም ንወረዳና ብቤት ፅሕፈት ሃ/ማ/ማ/ኢነርጅን ኣብ ጣቢያ ማይወይኒ ቁሽት ማካቦ ከስርሕ ስለዝደለየ መሰጋገሪ ካናል/ CROSSING CANA/L ንኩለኩም ደረጃ 8ተ ደቀቅቲ ንግዲ ትካላትን ሕብረት ሽርክናን ዉልቀን ዝኮንኩም ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክስርሕ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ክልተ ኣዉላዕሎ

1 ሕጋዊ ናይ ማይ ኮንስትራክሽን ስራሕቲ ብቤት ፅሕፈት ል/ደ/ኣ/ን/ት ዝተሐደሰ ዝተዉሃበ ብርኪ ትካል ምስክር ወረቀት ንግዲ ምዝገባ ምስክር ወረቀትን ናይ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ ዘለኩምን አብዚ በጀት ዓመት ዘሐደስኩምን ወይ ድማ ግብሪ ዝኸፈልኩም

2 ብናይ ማይ ኮንስትራክሽን ስራሕቲ ፈቃድ ዘለኩምን ደረጃ 8 ዝኮንኩም

3 ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቁፅሪ /ቲን ናምበር /ካርድ ዘለኩም ዝተሐደሰ ናይ መቅርባይንት ካርድ ዘለኩም ሰርተፊኬት ፈቃድ ኮንስትራክሽን ዝተሐደሰ ዘለኩም

4 ቫት ዝተመዝገብኩምን ናይ ቫት ሰርተፊኬት ዘለኩም ናይ ዝሐለፈ ወርሒ የካቲት ዲክሬሽ መረዳእታ ክተቕርቡ እትክእሉ

5 ንሐደ ዶክሜንት ዘይምለስ ብር 50.00 /ሓምሳ/ ብምክፋል እቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈትና ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ብምዉሳድ ዝቐረበሉ ዋጋ ብምምላእ ካብ ዕለት 9/8/2010 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 24/8/2010 ዓ/ም መረዳእታ ኩሎም ሰነዳት ሐደ ዋንኡን ክልተ ኮፒኡን በበይኑ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ብምምላእ ነዚ ተባሂሉ ዘተዳለወ ናይ ጨረታ ሳፁን ምእታዉ ይከኣል:;

6 ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕሸገሉ ዕለት 24/8/2010 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ኮይኑ በዚ ዕለት ሰዓት 4:30 ድማ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዘለዉሉ ይኽፈት ተዘይሃለዉን ኣብ ዉሽጢ ሳንዱቅ ዝተረከበ ፖስታ ብስርዓት ይኽፈትን ይግምገም::

7 ተጫረቲ ቅደሚ ጨረታ ምኽፋቱ መኽበሪ ጨረታ ዝኽዉን ብር 5000 /ሓሙሽተ ሽሕ / ብር CPO ከትሕዙ አለዎም::

8 ተጫረቲ ዘቕረብዎ ናይ መወዳደሪ ጨረታ ሰነድ ማህተምን ፊርማን በዓል ዋና እንተዘይሃልዎን ስርዝ ድልዝ እንተኾኑን ተቐባልነት አይህልዎን::

9 ተጫረቲ ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዘቀረቡ ቅጥዕታት ብትክክል መሊኦም ኣብ ሕድሕድ ገፅ እቲ ዶክመንት ፈሪሞምን ሓቲሞምን ብቅደም ሰዓብ እቲ ደኩመንት እነተይዛብዑ ዘነበረ ከይጎደሉ ወይድማ ከየጋገዩ ከቅረቡ አለዎም

10 ሰዓራይ ኮይኑ ዝተረኸበ ተጫራቲ ሰዓረይ ምኮኑ ካብ ዝተነገረሉ ኣብ ዉሽጢ 5ናይ ሰራሕ መዓልቲ ዉዕሊ እንተዘይአሲሩ ዘተሐዞ መኽበሪ ጨረታ ተወሪሱ ናብ መንግስቲ ካዝና አታዊ ይኽዉን::

11 ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ናይ መሰጋገሪ ካናል ፕሮጀከት ሳይት ካብ ዝተረከበሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 45 ተከታተሊ መዓልቲታት ዛዚሞም ከረክቡ አለዎም

12 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ::

ብስ/ቁ 0344430357 ምሕታት ይከአል:

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo