ናይ 2010 በጀት ዓመት ንቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እንደርታ ንኣብያተ ፅሕፈት ወረዳ እንደርታ ስራሕቲ ግልጋሎት ዝዉዕል ፅሕፈት መሳርሒ ፣ ስራሕቲ ሕትመት ፣ መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና ፣ መለዋወጢ ኣቅሑት ሞተር ሳይክል ፣ መለዋወጢ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ ፣ ስራሕቲ ኣቅሑት ቢሮን ብግልፂ ጨረታ አወዳድር ዕድጊት ክፍፅም ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እንደርታ

1 ብቢ ዘፈር ንግዱ ዝምልክተ ኮይኑ ናይ 2010 ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሰን ግብሪ ዝከፈለን

2 ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገበ ኮይኑ ናይ 2010 ዓም ወርሒ መጋቢት ወርሓዊ ሒሳብ ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

3 ናይ 2010 ዓም ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ከቅርብ ዝክእል

4 ቲን ናምበር ከቅርብ ዝክእል

5 ተጫረቲ ንመሳርሒ ፅሕፈት ስራሕቲ ሕትመት መለዋወጢ አቅሑት መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት ሞተር ሳይክል መለዋወጢ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ወረዳ እንደርታ ቢሮ ቁፅሪ ክልተ ምዉሳድ ይከኣል

6 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መክበሪ ቢድቦንድ 5000 ቅርሺ ብናይ ሲፒኦ ባንኪ ዝተረጋገፀ ወይከዓ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ዝክእሉ

7 ምልክታ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ዝከኣል ኮይኑ 12 ሚያዝያ 2010 ዓም ሰዓት 4፡00 ታዓሺጉ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

8 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ዋና ቅዳሕን ንንበይኑ ብምዕሻግ ኣብ ሓደ ዓብዩ ፖስት ብምጥቅላል ናብቲ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ከእትዉ ይግባእ ናይ ተጫረቲ ሙሉእ ኣድራሻ ማህተም ፊርማን ክህልዎ ኣለዎ ብተዋሰኪ ድማ ሰነድ ጨረታ ዋንኡ ምስ ቅዳሕ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ የብሉን እዚ ንዝገበረ ተጫረቲ እቲ ጨረታ ተቀባልነት የብሉን

9 እቲ ትካል ክሳብ 20% ናይ ምዉሳክ ወይ ናይ ምቅናስ መሰሉ ሕሉዉ እዩ

10 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ ኣመራፂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

14 ሓበሬታብቁፅሪ ስልኪ 0342400403 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo