ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ክፍለ ከተማ ሐወልቲ ኣብቲ ክፍለ ከተማ ዝርከብ ን2010 ዓም መሳርሒ ፅሕፈት ብግልፅ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ሓወልቲ

1 በቲ ዘፈረ ዝተመዝገብኩም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድን መቅረባይነት ናይ 2009 ን 2010 ዓም ብቅዳሕ ከትሕዝ ዝክእል

2 ተወዳደርቲ ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ምስክር ወረቀት ዋናን ቅዳሕን ዝተመዝገብኩምሉ ወረቀት ምስክር ከቅርቡ አለዎም

3 ጨረታ ሰነድ ካብ 4/8/2010 ዓም ክሳብ 14/8/2010 ዓም ዘይመለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ኣብ ክፈለ ከተማ ሐወለቲ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ክፍለ ከተማ ሐወልቲ ሐዲ ሽንዱሕን ኣብ ዝረከብ ንግዲ ባንክ ኢትዩጰያ ቢሮ ቁፅሪ 6 ምዉዳድ ይከኣል

4 ጨረታ 19/8/2010 ዓም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ሰዓት 8:30 ዝክፈት ይከዉን

5 ንመሳርሒ ፅሕፈት ጨረታ መከበሪ 3000 ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ጥረ ገንዝብ ምትሓዝ ይከኣል

6 እቲ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ ኣይግባእን እንተሃልዎ ድማ ፌርማ ይግብረሉ

7 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ 60 መዓልቲ ይከዉን

8 ሰዓራይ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሸጢ 5 መዓልቲ ዘድሊ መረዳእታ መከበሪ ዉዕሊ ብምትሓዝ ዉዕሊ ኣስሩ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ሐወልቲ ንብረት ክፍሊ አታዊ ይገብር

9 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo