ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኦፍላ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ኣብ 2010 ዓም በጀት ዓመት ኣብቲ ወረዳ ንዝርከብ ኣብያተ ፅሕፈት ንቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽን መንገድን መጎዓዝያን አገልግሎት ዝዉዕለ ካብ ኣራ ናብ ጣብያ ጎል መንቆሪዩስ ዝወስድ መንገዲ ንምፅራግ ስለዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ጨረታ አወዳዲሩ ሎት ሐደ ኪራይ ደዞር

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኦፍላ

1 ብዘፍር ናይ ማሽነሪ ኣካራይን ተካራይን ናይ 2010 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ዘለዎ

2 ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ንምካኑ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

3 ናይ 2010 ዓም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ዘለዎ

4 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዝተመዝገቡ ምካኖም መረዳእታ ወረቀት ምስክር ከቅርብ ዝክእል

5 ናይ ለካቲት 2010 ዓም ወርሓዊ ሒሳብ ዘወራረድሉ ዲክለሬር ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

6 ናይ ጨረታ መከበሪ 1500 ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒአ ወይ ቼክ ወይ አብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ከትሕዝ ዝክእል

7 በዝሒ ስራሕን ብ 20 % ክዉስክን ክቅንስን ይክእል እዩ

8 ተጫረቲ ሰዓርቲ ምካኖም ካብ ዝተገለፀሉ መዓልቲ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ክኣስሩ አለዎም

9 ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ናይ ባዓል ዋና ፌርማ:ስምን :ኣድራሻን :ማህተምን ክህልዎ አለዎ

10 ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ ነንብይኑ ብዝተዓሸገ ብክልተ ፖስታ ከቀርብ አለዎ

11 ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ኦፍላ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ናይ መግዚ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል 12 ካብ 5/8/2010 ዓም ክሳብ 25/8/2010 ዓም ኣብ ሰራሕ ሰዓት እቲ ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ይከኣል

12 እቲ ጨረታ 25/8/2010 ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት 25/8/2010 ልክዕ ሰዓት 4:30 ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኦፍላ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ይከፈት

13 ተጫረቲ ካማልእዎ ዝግባእ ዝርዝር ረቆሒታት ኣብ መምርሒ ጨረታ ምርኣየ ይከኣል

14 ቤት ፅሕፈትና በቲ ዝወፀ ጨረታ ካልእ መማረፂ ተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0345510044 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo