ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት ኣብ 2010 በጀት ዓመት ካብ መደበኛ በጀት አብ ወረድኡ ንዝርከባ ኣብያት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ዝተፈላለዩ ናይ ፅሕፈት መሳርሒን ናይ ፅሬት አቁሑት: ኤለክትሮኒክስ :አቁሑት ቢሮ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ

ቤት ፅሕፈትን ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት

በዚ መሰረት ተወዳደረቲ ከማልእዎም ዝግብኡ ረቆሒ

1 ኣብ 2010 ዓ/ም ዝተሐደሰ ናይ ዘረፉ ንግዲ ፍቓድን ናይ መቅረብቲ ሰርትፈኬትን ዋናን ኮፒን::

2ናይ መለለይ ቁፅሪ /TIN/ን VATን ሰርቲፌኬት ዋናን ኮፒን::

3 ናይ ወርሒ ለካቲት 2010 ዓም ዓዲ ዉሸጢ እቶት ኣታዊ ዝገበረሉ ወረሓዊ ድክለሬሽን ዋናን ኮፒን::

4 ነቲ ዝካየድ ጨረታ መኸበሪ ዘዉዕል ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ን ሎት ሓደ መሳርሒ ፅሕፈትን 5000 ቅርሺ ሎት 2 ናይ ፅሬት አቁሑት ብነፃ ሎት 3 አቁሑት ቢሮ 5000 ቅርሺ ሎት 4 አቁሑት ኤለከትሮኒክስ 3000 ቅርሺ ብ ጥረገንዘብ ወይ CPO ወይከዓ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ከትሕዙ ዝኽእሉ::

5 ሰዓራይ ጨረታ ብናይ ባዕሉ መጉዓዝያ/ ትራንስፖርት ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት አጉዓዒዙ ኣብ ከረክብ ዝክእል

6ጨረታ ተከፊቱ ሰዓራይ ምስ ተገለፀ ናይ ዘሰዓሮ 10% ኣትሒዙ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል 7ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 2/08 /2010 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 17/ 08/2010 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ መዓልትን ሰዓትን ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል Â ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር እናወሰዱ ሐደ ኦርጀናልን ክልተ ኮፒን በበይኖም ብፖስታ ዓሺጎም ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር ናብ ዝተዳለወ ሳፁን ከእትዉ አለዎም እቲ ጨረታ 17/08/ 2010 ዓም ሰዓት 4:00 ናይ ንጉሆ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዘለዉሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር ይኽፈት ቤት ፅሕፈትና ካብዚ ወፃኢ ካሊእ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ ጨረታና ኣበ ዝኽፈተሉ ቦታነ እዋንን ኩሉ ሕሰብ ቀሪቡ ክዕዘብ ንዕድም:: ንተወሳኪ ሓበሬታ 0913870684 ወይ 0913331379

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo