ቤት ፅሕፈት ማይ ግልጋሎት ከተማ ዓድዋ ኣብ 2010 በጀት ዓመት ንግልጋሎት ዝዉዕሉ ትቦታት ምስ መገጣጠሚኡ : መሳርሒታት ቴክኒክ ቆፀርቲ ማይ : ኣቀሑት ላብራቶሪ : ናይ ማይ ሞተር ፓምፕን : ናዉቲ ቤት ዕዩን ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይ ከተማ ዓድዋ

1 ተጫረቲ ዉሽጢ ዓዲ መረዳእታ በቲ ዘፈር ብመምርሒ ንግዲ ግዜ ሕድሳቱ ዘይሐላፎ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ከቅርቡ አለዎም

2 ተጫረቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምዝጉባትን ናይ ወርሒ ለካቲት 2010 ዓም ወርሓዊ ሒሳብ ዘፈለጥሉ ክኮኑ ይግባእ

3 ምዝገባ ንግዲ ወይ እዉን ቲን ናምብር ዝተመዝገቡን መረዳእታ መቅረባይነትን ከቅርቡ ዝክእል

4 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ 4 ሚያዝያ 2010 ዓም ጀሚሩ ምዉሳድ ይከኣል

5 መከበሪ ጨረታ ንትቦታት ምስ መገጣጠሚኦም : ንመሳርሒታት ቴክኒክ ንቆፀርቲ ማይ 10,000 ቅርሺ : ንኣቅሑት ላብራቶሪ 3000 ቅርሺ : ናዉቲ ቤት ዕዩን 3000 ቅርሺ : ንናይ ሞትር ፓምፕ 20,000 ቅርሺ ብጥር ገንዝብ ወይ ካብ ሕጋዊ ባንኪ ብዝተረጋገፀ ስፒኦ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከትሕዙ ዝክእሉ

6 ሰነድ ጨረታ ዝርከበሉ ከተማ ዓድዋ ግልጋሎት ማይ ክፍል ቁፅሪ 10 ይከዉን

7 ሰነድ ጨረታ ብዋናን ቅዳሕን ብክልተ ዝተዓሸገ ፖስታ ፈላልዩም ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ክፍሊ ቁፅሪ 10 ኣብ ዝተዳለወ ሰንድቅ ጨረታ አታዊ ክገብሩ ይግብእ

8 ሰነድ ጨረታ 18 ሚያዝያ 2010 ዓም ሰዓት 8 : 30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 9 : 00 ይክፈት

9 ዕደጋ ፈፃሚ ኣካል ከም ኣድላይነቱ በዝሒ ወይድማ መጠን ኣቅሓ ክሳብ 20 ሚእታዊ ክዉስከ ወይ ክቅንስ መሰል አለዎ

10 ተጫረቲ ወሽጢ ዓዲ ዝሰዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጉዓዝያ መረጋፈን ወፃኢን ሸፊኖም ናብቲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይ ከተማ ዓድዋ አታዊ ክገብሩ ይግባእ

11 ተጫረቲ ኣብ ዘቅርብዎ መወዳዳሪ ሒሳብ ሽም ትካል ማህተምን ፌርማን በዓል ዋና ክህልዎ ይግባእ

12 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ ድሕሪ ጨረታ ምክፋቱ ን 20 ናይ ስራሕ መዓልቲታት ይከዉን

13 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0347711523 0347713626 0914744803 0923413015 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo