ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ክልል ትግራይ ኣብ ናይ 2010 ዓም በጀት ዓመት ዝተፈላለዩ ፎቶ መፅሄት: ባነር: ቡረሸር : ሕትመት ግልጋሎት ከምእዉን ናይ ኤሌክትሮኒክስ :ፈርኒቸር: ቅርፃ ቅርፃን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ግዝኢት ኣቅሑት/ግልጋሎት ክፍዕም ይደሊ

ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይ ክልል ትግራይ

1 ኣብ ፎቶ መፅሄት: ባነር: ቡረሸር : ሕትመት ግልጋሎት ከምእዉን ናይ ፈርኒቸር: ቅርፃ ቅርፃን ግዝኢት ኣቅሑት/ግልጋሎት ንዝሳተፉ ትካላት ናይ 2010 ዓ/ም ንግዲ ፋቃድ ዘለዎ ቲን ቁፅሪን መቅረባይነት ዘለዎን

2 ናይ ኤሌክትሮኒክስ ግዝኢት ኣቅሑት/ግልጋሎት ንዝሳተፉ ትካላት ናይ 2010 ዓ/ም ንግዲ ፋቃድ ዘለዎ ቲን ቁፅሪን መቅረባይነት ዘለዎን ዘሐደሰን እንትከዉን ብተወሳኪ ናይ ቫት ሰርተፊኬት ናይ ወርሒ ጥሪ ዲክለር ዝተገበረሉ ከቅርብ ዝክእል

3 ተጫረቲ ዘትሐዝዎ መክበሪ ጨረታ ንናይ ኤሌክትሮኒክስ ብር 3000 CPO ፎቶ መፅሄት: ባነር: ቡረሸር : ሕትመት ግልጋሎት ብር 2000 CPO ከምእዉን ንናይ ሰማእታት ሓወልቲ ቅርፃ ቅርፅን ፈርኒቸር ድማ ንሕድሕድ ብር 1000 ከትሕዙ ዝክእሉ

4 ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ብር 30 ብምክፋል ካብቲ ቢሮ ትወስዱ

5 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 10/8/2010 ዓም ሰዓት 9:00 ናይ ቅድሚ ሰዓት ኮይኑ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት ድማ ብተመሳሳሊ ዕለት 10/8/2010 ዓ/ም ሰዓት 9:30 አብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዘለዉሉ ኣብ ኣብ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ይኽፈት

6 ጨረታ ወፂኡ ካብ ዝተቃለሐሉ /ዝልጠፈ/ ጀሚሩ ተጨረቲ ዋጋ ዘቅርብሉ በቲ ዝወፀ ዝርዝር ረቖሒ /ስፐስፊኬሽን/ መሰረት ኮይኑ ካብ ዕለት 25/7/2010 እስክ 10/8/2010 ዓ/ም ሰነድ ምስተገዘአ ብሸምዒ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኦርጅናል ኮፒን ብምንፃር ብክልተ ፖስታ ከቅርቡ ይግባእ ዝግባእ ኾይኑ እቲ ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ን45 መዓልቲ ይኸዉን

7 አድራሻና ክፍለ ከተማ ሐወልቲ ፊት ንፊት ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ዝርከብ አብ ኮምፕሌክስ ናይ ሐባር ህንፃ: ህንፃ 1 /Block 1/ ኣብ መሬት ቢሮ ቁፅሪ 245 እዩ

8 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኹን ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344417637 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ከኣል እዩ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo