ቤት ፅሕፈት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብ 2010 ዓም በጀት ዓመት 1ይዙር ዕደጋ ዝተፈላለዩ ንብርት ብምድብ ሎት መቂሉ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ /ህ.ወ.ሓ.ት/

ሎት 1 ሃላቅትን ቀወምትን ናይ ፅሕፈት መሳርሒ : ሎት ክልተ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት : ሎት ሰለስተ ናይ መኪና መለዋወጢ ሃላቅን ኣቅሑትን: ሎት 4 ፈረኒቸር ኣቅሑት : ሎት 5 ዘገልገሉ ንብረታት ንረታ ዝቐርበሉ ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ አወዳደሪ ክዕድግ ይደሊ

1 በዚ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ሓደ ኦርጅናልን ሐደ ኮፒን ከቅርብ ዝክእል

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለይ ቁፅሪ ቲን ሰርቲፈኬት ሓደ ኦርጅናልን ሐደ ኮፒን ከቅርብ ዝክእል

3 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገቡ ምዝገባ ሰርተፈኬት ከቅርብ ዝክእል

4 ናይ መስከረመ 2010 ዓም ናይ ቫት ድክላሬሽን ኦርጅናልን ኮፒን ከቅርብ ዝክእል

5 ናይ መቅረባይነት ዝተመዝገበ ምካኑን ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ምስክር ወረቀት ሓደ ኦርጅናልን ሐደ ኮፒን ከቅርብ ዝክእል

6 ኣብተ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳደሪ ዝሰዓሮ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ አብ ዉሽጢ 10 ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መገዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈትና ስቶር ክፍሊ በቲ ዝተሐተተ ፅሬትን መጠንን ከቅርብ ዝክእል

7 ናይ መወዳደሪ ደኩመነት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ክከዉን ይግባእ

8 ተጫረቲ ዝተደለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታ ሰነድ ጨረታ ንሎት 1,2,3,4 ንዘለዉ ዝርዝር ንብረታት ንሕድሕድ ሰነድ ዘይምለስ 50 ቅርሸ ጥራሕ ንሎት 5 ብነፃ እናከፈለካበ ቢሮ ቁፅ 315 ቤት ፅሕፈት ህወ ሓት ካብ ዕለት 24/7/2010 ዓም ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ገዚኡ ክወስድ ይዕድም

9 እቲ ጨረታ ዕለት 9/8/2010 ዓም ልክዕ ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ ሰዓት 3:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት

10 ተጫረቲ መከበሪ ጨረታ ዉሕስና ንሕድሕ ሰነድ 5000 ብር ጥራሕ ብጥረ ገንዝብ ወይ ብስፒኦ ወይ ብቼክ ብሽም ቤት ፅሕፈት ህ ወ ሓት ፋይናንስዘቅርብ ይከዉን ንሎት 5 ዝወዳደሮ ንብረት 3000 ብር ከትሕዝ ዝክእል

11 እቲ ጨረታ ዕለት 9/8/2010 ዓም ቅድሚ ሰዓት 3:00 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት

12 ቤት ፅሕፈትና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መመረፂ እንተረኪቡ ሙሉእ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

13 እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ቤት ፅሕፈትና ነቲ ዝግዛእ ንብረት ክሳብ 25 ሚእታዊ ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይክእለ እዩ

14 ሰዓራይ እቲ ዘቅርቦ ንብረት ብበዓል ሞያ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ አታዊ ኮይኑ ገንዝብ ክፍሊት ይኣቱ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0344 414129

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo