ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ዓድዋ ንሴክተራት ካብ ዝተመደበሎም በጀት ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፋለለዩ ኤሌክትሪኒክስ ኣቅሑትን : ሞተር ሳይክል ዕድጊት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓድዋ

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም በዚ ዘፈር ናይ 2010 ዓም ቲን ቁፅሪ ዝተመዝገበ ክወዳደር ይክእል

2 እቲ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ከተማ ዓድዋ 50 ቅርሺ እናከፈሉ ናይ ጨረታ ሰነድ ምዉሳድ ይክእሉ

3 ቫት ወይድማ ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገበን ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ዘቅርብን ቲን ዝተመዝገበ ምካኑ መረጋገፂ ወረቀት ምስክር ከቅርብ ዝክእል

4 ናይ ጨረታ መከበሪ ቢስ ቦንድ ናይ ኤሌክትሮኒክስ 5000 ቅርሺ ንሞተር ሳይክል 3000 ቅርሺ ኮይኑ በጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሰርቲፋይድ ቼክ ማለት እዉን ስፒኦ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ባንኪ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሌተረ ኦፍ ክሪዲት ከትሕዝ ዝክእል

5 ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ዝሐዘ ኮይኑ ድሕሪ ዉዕሊ ምእሳሩ ብና ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ከተማ ዓድዋ ትልምን ፋይናንስ ከቅርብ ዝክእል

6 እቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 20 መጋቢት 2010 ዓም ክሳብ 5 ሚያዝያ 2010 ዓም ናብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቅ ክሳብ ሰዓት 4:00 አታዊ ኮይኑ ልክዕ በቲ ዕለት5 ሚያዝያ 2010 ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

7 ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ካብ 30 መዓልቲታት ዘይበልፅ ይከዉን

8 ተጫረቲ ንዘቅርብዎ ንብረት ብፍላይ ድማ ንኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት ንሐደ ዓመት ዉሕስና ክህብ ይክእል ነቲ ዝሰዓሮ ንብረት ድማ ቤት ፅሕፈት ብዘቅርቦ ዝርዝር መሰረት ከቅርብ ዝክእል

9 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፈል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0347713776

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo