ኤጀንሲ ምዝገባን መረዳእታን ትሕዝቶ መሬት ከተማ ክልል ትግራይ ናይ 2010 ዓም ዝተፈላለዩ ናይ መሬት መቆፃፀሪ ነጥቢ ዝምልከት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ኤጀንሲ ምዝገባን መረዳእታን ትሕዝቶ መሬት ከተማ ክልል ትግራይ

1 ናይ መሬት መቆፃፀሪ ነጥቢ ዝተዳለወ ሰነድ ኣብ ኤጀንሲ ምዝገባን መረዳእታን ትሕዝቶ መሬት ከተማ ክልል ትግራይ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 229 ብምምፃእ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ይከኣል

2 መከበሪ ጨረታ 10000 ቅርሺ ብስፒኦ ወይድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሕጋዊ ዉሕስና ወይ ብጥረ ገንዘብ ከቅርቡ አለዎም

3 ተጫረቲ ሕጋዊ ግብሪ ዝከፈልሉ ናይ 2010 ዓም ፍቃድ ዘሐደሱን መረዳእታ ምዝገባ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘቅረቡን

4 በቢወርሑ ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅረቡ ዝክእሉ

5 ግልፂ ጨረታ ካብ ካብ 15 መጋቢት 2010 ዓም ክሳብ 1 ሚያዝያ 2010 ዓም ሰዓት 600 ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ይከኣል

6 ኣብቲ ዝጨረታ ዝሰዓረ ተወዳዳሪ ደብዳቤ ካብ ዝበፅሖ ድሕሪ ናይ 3 ቅሬታ መዓልቲ ዉዕሊ ከኣስር አለዎ ከምዉን ናይ መከበሪ ዉዕሊ 10 ሚእታዊ ብናይ ኢትዩጰያ ቅርሺ ብጥረ ገንዝብ ወይ ብስፒኦ ወይድማ ናይ ባንኪ ዉሕስና ብምትሓዝ መከበሪ ጨረታ ይምለሰሎም

7 ተጫረቲ ግብሪ ዝከፈልሉ ናይ 2010 ዓም ፍቃድ ንግዶም ዝሐደሱ ክኮኑ አለዎም

8 ከይዲ ጨረታ ብዛይኣግባብ ንምዝባዕ ምፍታን ብሕጊ ዘሕትትን ኣብዝኮነ ጨረታ ንከይሳተፍ ክሳብ ምእጋድ ዘክይድ ስጎምቲ ዘስዕብ ምካኑ ክፈልጡ ይግባእ

9 እቲ ጨረታ 1 ሚያዝያ 2010 ዓም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ሰዓት 8:30 ይክፈት ሰነድ ጨረታ ብምዕሻግ ናብ ሳንዱቅ ጨረታ ከእተዉ አለዎም

10 እቲ ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ን 60 መዓልቲ ይከዉን

11 ተወሳኪ ሐበሬታ ኣብ ሰነድ ጨረታ ይርኣዩ

12 እቲ ኤጀንሲ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ዉይ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0342403423

ኣድራሻና ኤጀንሲ ምዝገባን መረዳእታን ትሕዝቶ መሬት ከተማ ክልል ትግራይ ፊት ንፊት ማይክሮ ፋይናንስ ዝርከብ ኮምፕሊከስ ህንፃ 3ይ ብሎክ 2ይ ደብሪ ብሮ ቁፅሪ 229 መቐለ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo