ቤት ፅሕፈትና ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንዝተፈላለዩ አብያተ ፅሕፈት ከተማ መቐለ ኣብ ሮማናት አደባባይን መቀለ ጥዕና ጣብያን ናይ ትራፊክ መብራህቲ ብጨረታ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ

ስለ ዝደሊ ሕጋዉያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ንዕድም

1 ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈሉ ናይ 2010 ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ :ቲን /TIN/ : መቅረባይ ሰርተፊኬት : VAT ተመዝገብቲን ናይ ወርሒ ለካቲት ቫት ዲክለረሽን ከቅርቡ ዝክእሉ ብኤለክርቶመካኒካል ናይ ደረጃ ብቅዓት መረጋገፂ ምስክር ወረቀት

2 ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈትና ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረትን ምም/ር ካብ 14/07/2010 ዓ/ም ጀሚሩ ብር 50.00 ብምክፋል ጨረታ ሰነድ ምዉሳድ ይካአል::

3 ናይ ጨረታ መኸበሪ ንሕድሕድ ሎት 20,000.00 :ብስፒኦ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ወይ ብጥረ ገንዝብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ መአዘዘዚ ክፍሊት ቼክ ከትሕዝ ዝክእል

4 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 15/08/2010 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ናይ ድሕሪ ሰዓት ተዓፅዩ ዕለት በቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላት አብ ዘለዉዎ ይኽፈት::

5 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ሓደ ዋና ክልተ ቅዳሕ ዝተዓሸገ ፖስታ ክቅርብ ዝክእል:: 6 ዝኮነ ይኩን ተወዳደሪ ብቤት ዕዩና ዝተዳለወ ስሩዕ ሰነድ ጨረታ ብክፋል ምቅራብ ኣይከኣልን

7 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

8 ኣድራሻና ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣጋአዚ ኦፕረሽን ህንፃ ድሕሪ እንዳማርያም ቤተክርስትያን ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ክፍሊ ቁፅሪ 034 እዩ

 ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344408501 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ትኽእሉ::

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo