ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ኣላማጣ ንዝፈራት ኣገልግሎት ዝዉዕል ዝተፋላለዮ አቁሑት ብስሩዕ ብናይ ULDPን ቤት መዘጋጃ አታዊን በጀት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ኣላማጣ

መሳርሒ ፅሕፈት : ኤሌክትሮኒክስ : አቅሑት ፅሬት : መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና : ሕትመት : ስፖርት ዕጥቅን : ኣቅሑት ኤሌክትሪክ

1. በቲ ዘፈር ናይ 2010 ዓ/ም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ::
2. ናይ 2010 ዓ/ም ዝተሐደሰ ናይ መቕረባይነት ሰርትፌኬት ከቅርብ ዝክእል::
3. መሳርሒ ፅሕፈት : ኤሌክትሮኒክስ : መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና : ኣቅሑት ኤሌክትሪክ ወረቀት ምስክር ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘለዎም :ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ ዘለዎ:ናይ ወርሒ ጥሪ ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
4. ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምኽፋል እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ጥራሕ ካብ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ምምር ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ይኽእሉ:

5 ሰዓራይ ዝኮነ ተጫራታይ ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጋዕዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ አላማጣ ከረክብ አለዎ

6. እቲ ጨረታ ካብ ዕለት 11/07/2010 ክሳብ 26/7/2010 ዓም አብ አየር ይፀንሕ እቲ ሳንዱቅ ጨረታ 26/7/2010 ዓም ልክዕ 3:30 ተዓፅዩ በተመሳሳሊ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከበሉ አብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ኣላማጣ ይኸፈት::
7 ቤተ ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መብቱ ዝተሐለወ እዩ:

8. መክበሪ ጨረታ መሳርሒ ፅሕፈት : አቅሑት ፅሬት : መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና : ሕትመት : ስፖርት ዕጥቅን 4000 ቅርሺ ኤሌክትሮኒክስ :ኣቅሑት ኤሌክትሪክ 7000  ቅርሺ ብሲፒኦ ወድማ ብጥረ ገንዝብ ከትሕዝ ዝክእል

9. ሰነድ ጨረታ ቅዳሕን ዋናን ብዝተዓሸገ ፖሰታ ብምግባር ሓደ ዋናን ቅዳሕ መፍለዩ ቁፅሪ ብምገባር ክሳብ 26/7/2010 ዓም ሰዓት 3:30 ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ከእትዩ አለዎም

ንተወሳኪ ሓበሬታ 0347740003 /0347744610

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo