ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ፀገዴ ካብ ሐገዝ በጀት ን2010 በጀት ዓመት ንናይ ወረድኡ ኣብያተ ትምህርቲ ዝዉዕል ናይ ላብራቶሪ ኪሚካልን : ናይ ቢሮ ኣቅሑትን አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ፀገዴ

1 ናይዚ ዘመን ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም

2 መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዘለዎም

3 ምስክር ወረቀት መቅረባይነት በቲ ዘፈር ክተቅርቡ እትክእሉ

2 ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮኑ ናይ ወርሒ ለካቲት 2010 ዓም ወርሓዊ ሒሳብ ዝዓፀዉሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ ንፈልሲ ኣፕልን ቡንን ግና ኣይግደዱን

4 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ 10 መጋቢት 2010 ዓም ጀሚሩ ክሳብ 25 መጋቢት 2010 ዓም ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ፀገዴ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ንነብስወከፍ ምድብ ዘይምስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይክእሉ ማለት እዉን ሎት 1 ናይ ለብራቶሪ ከሜካል ን ሎት 2 ናይ ቢሮ ኣቅሑት

5 ተጫረቲ መክበሪ ጨረታ ሕድሕድ ሎት 3,000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይንድማ ካብ ሕጋዊ ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከትሕዙ ኣለዎም

6 ጨረታ ዝካየደሉ ኣብ ወረዳ ፀገዴ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ኮይኑ ሳንዱቅ ጨረታ ዕለት 25/7/2010 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓሺጉ ብተመሳሰሊ ዕለት 4:30 ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

7 ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ብዘይምርካቦም ናይ ጨረታ ስነ ስርዓት አይተኣጎጎልን

8 ተጫረቲ ሰዓራይ ኮይኖም ምስተረከቡ ኣብ ዉሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ብኣካል ብምቅራብ ናይ ዝሰዓርዎ ንብረት መጠን 10% ብጥረ ገንዘብ ወይ ካብ ሕጋዊ ሚኢታዊ ባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ዉዕሊ ብምአሳር ብዝተኣዘዝዎ ብስፔስፊኬሽን መሰረት ንበረት ኣብ ዉሽጢ 20 ተከታተልቲ መዓልቲ ኣብ ወረዳ ፀገዴ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ብበዓል ሞያ አፈቲሹ የረክቡ

9 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

10 ናይ ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ 35 ናይ ስራሕ መዓልቲ እዩ

11 እቲ ቤት ፅሕፈት 20 ሚኢታዊ ናይ ምዉሳክ ወይም ምንካይ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

12 ንተወሳኪ ሓበሬታ 0914190333 ወይ 0931486685 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo