ደደቢት ትካል ልቃሕን ዕቋርን ደደቢት ትፈልም ኣብ ቐለ ዋና ቢሮ ትካል ደደቢት ልቃሕን ዕቋርን ኣክስዩን ማሕበር መቐለ ናይ መካይን መፅለሊ ሼድ ከስርሕ ስለዝደለየ ኣብዚ ስራሕ ክሳተፉ ዝደለዩ ደረጃ BC/GC 6ን ልዕሊኡን ዘለኩም ናይ ህንፃ ኮንስትራክን ተካናተርቲ ክትጫረቱ ይዕድም

ደደቢት ትካል ልቓሕነ ምዕቓሪን/ደደቢት ትፍልም/

1 ናይ 2010 ዓም ዝተሐደሰ ሕጋዊንግዲፍቃድ ምስክር ወረቀትን ንግዲ ምዝገባ ምስክርነትን ግብሪ ክፋሊ ምዝገባ ሰርተፊኬት/TIN/ ናይ ቫት ምዝገባ ምስክር ወረቀት ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ናይ ቫት ዲክላሬሽን ናይ ኮንስትራክሽን ምዝገባ ካርድን ከቅርብ ዝክእሉ

2 ናይ ጨረታ ዉሕስና ካብ ዝተፈለጡ ባንክታት ዝዉሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና Unconditional bank guarantee /Validate 90 Cal.day ወይ ሕጋዉነቱ ዝተረጋገፀ CPO ብር 50000 /ሓምሳ ሺሕ ብር / ከቅርቡ አለዎም

3 ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ህንፃ ፕሮጀክት ስራሐቲ ሳይት ካብ ዝተረከብሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 60 መዓልቲ ተከታተልቲ መዓልትታት ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም ክረክቡ አለዎም

4ኩሎም ተጫረቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 10/7/2010 ዓም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 25/7/2010 ዓም ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ 4ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 409 ኣድላይ መረዳእታ ብምሓዝ ይምለስ 100 ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ክወስዱ ይክእሉ እዩም

5 ተጫረቲ አብ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝቐረቡ ቅጥዕታት ብትክክል መሊእኩም ኣብ ሕድሕድ ገፅ እቲ ዶኩሜንት ፊሪሞምን ከምቲ ክሽየጥ እንተሎ ዝነበረ ከየጎደሉ ከቅርቡ አለዎም ዝተጎደለ ብትክክል ዘይተመልአን ቅደመ ሰዓብ ዝተዛበዐን ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይግበር እዩ

6 ተጫረቲ ቅደሚ ሕዚ ኣብ ናይ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ዉዕሊ ኣሲሩ ዘቆረፀ ወይ በቲ ዝድለ መዓልቲ ዘይወድኦ ኮንትራክተር ክጫረት አይክእልን እነተተጫሪቱ እዉን እቲ ትካል ነቲ ተጫራታይ ካብ ጨረታ ይስረዝ

7 ተጫረቲ ናይ ዝጫረትሉ ፕሮጀከት ፋይናንሻል ሐደ ኦርጅናልን ክልተ ቅዳሕን ናይ ጨረታ ዉሕስና ሰነዳት ስፒኦ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታታት ተዓሺጎም ኩሎም ፖስታታት ድማ ኣብ ካልእ ዓብይ ፖስታ መሊሶም ብምዕሻግ ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ሽም ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብዩ ፖስታ ብዝርአ ቀለም ብምፅሓፍን ነቲ ጨረታ ተባሂሉ አብ 4ይ ደብሪ ዋና ቢሮ ቁፅሪ 409 ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ አብ ናይ ስራሕ ሰዓት ኣታዊ ይከዉን እቲ ጨረታ ዕለት 25/7/2010 ዓም ልክዕ ሰዓት 3:00 ናይ ንጉሆ ተዓፂዉ ዕለት 25/7/2010 ዓም ልክዕ ሰዓት 3:30 ናይ ንጉሆ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትፈም ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ ወከለቶም አብ ዝተረከበሉ እቲ ሰነድ እንተኮይኑ እዉን ኣብዘይተረከብሉ እቲ ጨረታ ክክፈት እዩ

8 እቲ ትካል ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

9 ንተወሰኪ ሐበሬታ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ዝርከብ ቢሮ ቁፅሪ 375 ብኣካል ብምቅራንብ ወይድማ ብስልኪ ቁፅሪ 0342 40 15 14 ብምድዋል ምሕታት ይክእሉ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo