ቤት ፅሕፈትና ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዉቅሮ ኣብ በጀት ዓመት 2010 ዓም ንከተማ ዉቅሮ ግልጋሎት ዝዉዕል ዝተፈላለዩ ኣቅሑት ኤሌክተሪክ ማለት እዉን : ፓዉዛ ናይ ደገ መብራህቲ ብሬከር ኬብልን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይድሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዉቅሮ

1 ሕጋዊ ናይ በቢዘርፉ ኣቅርቦት ንግዲ ፍቃድ ዘለኩምን አብ 2010 ዓም በጀት ዓመት ዘሐደስኩምን ወይ ድማ ግብሪ ዝከፈልኩምን

2 ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቁፅሪ /ቲን/ ካርድን ናይ ቫት ምስክር ወረቀት ዘለኩም ዝተሐደሱ ናይ ዓም 2010 ናይ መቅረባይነት ካርድ ዘለኩምን ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ጥሪ 2010 ዓም ዲክለሬሽን ክተቅርቡ እትክእሉ

3 ንሐደ ሰነድ ዘይምለስ ብር 50 /ሓምሳ/ ብምክፋል እቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈትና ካይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይነናንስን ምምሕዳር ንብረት ካብ ቢሮ ቁፅሪ 4 ብምዉሳድ ዝቐረበሉ ዋጋ ብምምላእ ካብ ዕለት 4/7/2010 ዓም ክሳብ ዕለት 19/7/2010 ዓም ዋንኡን ኮፒን በበይኑ ብዝተዓሸገ ኢንቨለፕ ብምምፃእ ነዚ ተባሂሉ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳፁን ምእታዉ ይከኣል

4 ሳንዱቅ ጨረታ 19/7/2010 ሰዓት 4:00 ተዓሺጉ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት እነተዘይሃልዩም ኣብ ዉሽጢ ሳንዱቅ ዝተረከበ ፖስታ ብስርዓተ ይክፈትን ይግምገምን

5 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ መከበሪ ጨረታ ዝከዉን ናይ ጨረታ ዉሕስና ማለት እዉን መከበሪ ጨረታ ንሕድሕድ ኤለክትሮኒክስ 20000 /ዒስራ ሽሕ/ ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ብባንኪ ዝተረጋገፀ መአዘዚ ክፍሊት ቼክ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ባንኪ ብስፒኦ ዉይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሌተር ኦፍ ክሪዲት ክተትሕዝ ይግባእ

6 ንዝበለፀ ሰነድ ጨረታ ይመልከቱ

7 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስቁ 0344430083 ወይድማ 0914210989 ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo