ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ክልል ትግራይ ነቲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ፈርኒቸር ኣቅሑት : ፅሕፈት መሳርሒ: ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑትን ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቆሒታት እተማልኡ ንክትጫረቱ ይዕድም

ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ክልል ትግራይ

1 ሕጋዊ ንግድ ፍቃድ ዘለዎን ናይ ዘመኑ ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሰን

2 ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቑፅሪ TIN No ዘለዎ

3 ኣብ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገቡን

4 ናይ ቫት ተመዝገብቲ ዝኮነን ናይ ቀረባ እዋን ዲክለር ዝገበረሉ መረዳእታ ዘቅርብ

5 ናይ ጨረታ መክበሪ ቢድ ቦንድ 3000 /ሰለስተ ሽሕ/ ብሸም ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ብዝተረጋገፀ CPO ወይ ብጥረ ገንዘብ ንሕድሕድ ጨረታ ሰነድ ኣብ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት ከትሕዝ ዝክእል

6 ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈትና ዋና ኦዲተር ክልል ትግራይ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ቢሮ ቑፅሪ 26 ዘይምለስ ብር 50 /ሓምሳ/ ብምክፋል ካብ ዕለት 4/07/2010 ክሳብ ዕለት 19/07/2010 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ናይ ንጉሆ ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ምዉሳድ ይከኣል

7 እቲ ጨረታ ዕለት 19/07/2010 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ናይ ንጉሆ ተዓሺጉ በቲ ዕለት በዓል ዋና ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዘለዉሉ ልክዕ ሰዓተ 4:00 ይኽፈት መቅረብቲ ብናይ ባዕሎም ድልየት ተዘይተረኪቦም እቲ ቤት ፅሕፈትና ጨረታ ፖስታ ንምክፋት መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

8 ብተጫረቲ ዋጋ ዝምላእ ካብ ቤት ፅሕፈትና ብዝተዉሃበ ሰነድ ጥራሕ ይከዉን

9 ዝምላእ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ኣብ ሕድሕድ ሰነድ ገፅ ፌርማን ማህተምን በዓል ዋና ከህልዎ ይግባእ

10 ናይ ተጫረቲ መልሲ መቅረቢ ናይ ዋጋ መምልኢ ሰነድ ብኦርጅናልን ኮፒን ነንበይኑ ብሽምዒ ዝተዓሸገ ኣብ ሕድሕድ ገፅ ፊርማን ማህተምን መቅረባይ ዘለዎ ኣብ ፖስታ ልዕሊ ብዓብይ ፅሒፉ ኮፒ ኦርጅናል ዝብል ዘለዎ ከፀሐፍ ይግባእ

11 ተጫራታይ ኣብቲ ዋጋ መምልኢ ሰነድ ዝመልኦ ነፀላ ዋጋ ምስ ቫቱ ደሚሩ አብ ሕድሕድ ዓይነት ንብረት ከቅምጥ አለዎ

12 ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣብ ቀለም ዝወዳደሩ ተወዳደርቲ ኣብቲ መክፈቲ ዕለት ሳምፕል ከቅርብ አለዎ

13 ቤት ፅሕፈና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንዝበለፀ ሐበሬታ ስቁ 0344401099

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo