ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ኣብ 2010 ዓም ዋንነቱ ናይ ሕርሻ ገጠር ልምዓትን ዝኮነ ብናይ ስደተኛታት ተፅዕኖ ምንካይ ልማዓት ፕሮጀከት ብዝተሓዘ በጀት ኣብቲ ወረዳና ኣብ ዝርከባ ጣብያታት ዕደጋ ሕበርት: ስምረት: ሰላም: ሕፃፅ :ማይ በርበረን 9 ናይ ሓባር ዒላ ኤሌክትሪኒክስ ኣቅሑት ኣብያት ፅሕፈተ ማለት እዉን ፈርኒቸር ፖርፎርማ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግን ከስርሕን ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ

1 በቲ ዘፈር ሕጋዊ ንግዲ ፈቃድ ዘለኩም ምዝገባ ንግዲ ዘለኩም

2 መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግበሪ ዘለኩምን

3 ናይ 2010 ዓም ግብሪ ዝከፈልኩምሉ ዝተሐደሰ ፈቃድ ንግዲ ብቅዳሕ ዘለኩም

4 ኣብ ሰራሕቲ ዝርዝር መቅረብቲ ዝተመገብኩም

5 በዘፍር ስራሕቲ ማይ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም ግብሪ መንግስቲ ከፊሉ ናይ 2010 ዓም ንግዲ ፍቃድ ዝሐደሰን

6 ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝበ መለለይ ቁፅሪ ግብሪ ከፈልቲ ዘለዎ

7 ናይ ወርሒ ጥሪ 2010 ዓም ሒሳብ ዘወራደርሉን መረዳእታ ዘቅርብ

8 ወረቀት ምስክር ህንፀት ስራሕቲ ማይ ዘቅርብ

9 ወረቅት ምስክር መቅረባይነት ህንፀት ስራሐቲ ማይ ዘቅርብ ዝክልእ ናይ 2010 ዝተሐሰ ምስክር ወረቀት ዘለዎ

10 ተወዳዳራይ ቅድም ፕሮፎርማ ምክፋቱ ናይ ፕሮፎርማ መከበሪ ጨረታ ንሕድሕድ ሓባር ዒላ ኤሌክትሪኒክስን ፈርኒቸርን 3000 ቅርሺ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

11 ተወዳደርቲ እዚ ምልክታ ፕሮፎርማ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ንሕድሕድ ሓበራዒላ ኤሌክትሪኒክስን ፈርኒቸርን ዘይምለስ 30 ቅርሺ ብምክፋል ዝተዳለወ ሰንድ ፕሮፎርማ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ከይድ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስ ምምሕዳርን ንብረት ክወስድ ይክእል

12 ናይ ሓባር ዒላ ተወዳደርቲ ዝኮንኩም ትመልእዎ ዋጋ ፕሮፎርማ ፋይናንሻል ናይ ነብሰ ወከፍ ፕሮጀክት ሐደ ዋናን ክልተ ቅዳሕን በበይኖም ኣብ ፖስታ ታዓሺጉ ናይ ትወዳደርሉ ፕሮጀከት ብማርከር ብምፅሓፍ ማሕተም ብምግባር መሊሶም ብሐደ ዓብይ ፖስታ ብምዕሻግ ናይ ዝተዳለወሉ ፕሮጀከት ሽም ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብይ ፖስታ ብዝረአ ፅሑፍ ማሕተም ብምግባር ሰነድ ፕሮፎርማ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ከይድ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስ ምምሕዳርን ንብረት ዝተዳለወ ፕሮፎርማ አታዊ ክገብር ዝክእል

13 ተወዳዳር ዘቅረቦ ቴክንካል መዐቀኒ ንበይኑ ኣብ ሐደ ፖስታ ብምዕሻግ ናይ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ፕሮፎርማ ኣብ ዝተጠቀሰ ዕለት ኣታዊ ክገብር ዝክእል

14 ቴክኒካል መዐቀኒ ፋይናንሻል መዓቀኒ ብበይኑ ፖስታ ዓሺጉ ከቅርብ ዝክእል

15 ኣብ ቴክንካል መዓቀኒ ኩሉ ዘማለአ ናብ ዉድድር ዝሐለፍ ኮይኑ ድሕሪ ኣርትሜቲክ ቼክ ምክያድ ዝተሐተተ ዋጋ ዝአተወ ተወዳዳሪ ሰዓራይ ይከዉን

16 ንሓባር ዒላእቲ ቴክኒካል መዐቀኒ ፕሮፎርማ ፋይናንሻል ዕለት 4 መጋቢት 2010 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:30 ቴክኒካል ፖስታ ተከፊቲ ምስተገምገመ ፋይናንሻል ሰነድ ድማ 4 መጋቢት 2010 ዓም ዕለት ሰዓት 8:00 ኣብቲ ቤት ፅሕፈትና ይክፈት

16 ኤሌክትሪኒክስን ፈርኒቸርን 5 መጋቢት 2010 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:30

17 ተወደዳርቲ ኣብ ስራሕቲ ህንፀት ማይ ዝክፈሉ ምካኖም ኣሚኖም ክወዳደሩ አለዎም

18 ንተወሳኪ ሐበሬታ ኣብ ሰነድ ጨረታ ይመልከቱ

19 ቤት ፅሕፈትና ንዘዉፀኦ ፕሮፎርማ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ፕሮፎማ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0346610255 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ ።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo