ማእከል ቤት ህንፀት ዓድዋ ኣብ 2010 ዓም በጀት ዓመት ብዝተበጀተልና መሰረት ንቲ ቤት ፅሕፈት አገልግሎት ዝዉዕል መሳርሒ ህንፃ :መሳርሒ ፅሕፈት :ኣቅሑት ፅሬት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ማእከል ቤት ህንፀት ዓድዋ

1 ናይ 2010 ዓም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩምን ናይዚ ዘመን ግበሪ ዝከፈልኩምን

2 መለለይ ቁፅሪ ግብሪ ከፈልቲ ዘለኩም

3 ብትልምን ፋይናንስ ዝተዉሃበ ናይ 2010 ዓም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ከቅርብ ዝክእል

4 ተወሳኬ እሴት ታክስ ዘለኵምን መረደእታ ክተቅርቡ እትክእሉን ከምእዉን ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2010 ዓም ወርሓዊ ሒሳብ ዘወራረድክምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ

5 መከበሪ ጨረታ 3000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒዞ ቅድሚያ ክተትሕዙ አለኩም

6 ጨረታ ዝሰዓረ መከበሪ ዉዕሊ 10 ሚእታዊ ከትሕዝ ዝክእል ከምእዉን ልዕሊ 10000 ቅርሺ ዝግመት ንብረት ኣታዊ እንተገይሮም 2 ሚእታዊ ዊዝ ሆልድ ከምዝግብሩ

7 ጨረታ ካብ 26 ለካቲት 2010 ዓም ክሳብ 11 መጋቢት 2010 ዓም ኣብ አየር ዝፀንሕ ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 11 መጋቢት 2010 ዓም ሰዓት 8:00 ሳንዱቅ ጨረታ ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8:30 ይክፈት

8 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ብዘይምርካቦም ስነ ስርዓት ጨረታ ኣይተኣጎጎልን ከምእዉን ከይተከፈተ ዝምለስ ጨረታ ኣይህልዉን

9 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50 ቅርሺ እናከፈልኩም ካብ ማእከል ቤት ህንፀት ኣድዋ ደጋፍ ከይዲ ስራሕ ምምሕዳር ንብረትን ኣብ ቁፅሪ 6 እናመፃእኩም ክትወስዱ ትክእሉ

10 ማእከል ቤት ህንፀት ዓድዋ ዝሐሸ አማራፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ በሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንዝበለፀ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0347711227 0347711668 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo