እንትጮ ቴክኒክ ኮሌጅ አብናይ 200 በጀት ዓመት ካብ ዝተመደበልና መደበኛን ሓፂር ስልጠናን ዉሽጢ እቶት በጀት ካፒታል ንንምምሃር ምስትምሃር ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዮ ንብረት ብ ምድብ መቂሉ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ዕደጋ ክፍፅም ይደሊ

ኮሌጅ ቴክኒክ እንትጮ

ሎት 1 ናይ ህንፃ መሳርሒ: ሎት 2 ናይ ፕላንቢንግ መሳርሒ: ሎት 3 ናይ ፅሕፈት መሳርሒ: ሎት 4 ኤሌክትሪክ መሳርሒ : ሎት 5 ናይ መኪና ስፔርፓርት: ሎት 6 መሳርሒ ፅሬት: ሎት 7: መሳርሒ ሕትመት ሎት 8:ናይ ኮብልስቶን ሎት 9 ናይ ጨርቃ ጨርቂ ሲዒቦም ዝተዘርዘሩ ረቀሕታት እተማልኡ ሕጋዊያን ነጋዶ ንክትሳተፉ ይዕድም 1. ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩምን ናይ 2010 ዓም ንግዲ ፍቃድኩምን ግበሪ ዝከፈልኩምን 2. ናይ መቅረባይነት ሰርተፊኬት ቲን ናምበር ዘለኩምን ናይዚ መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ክተቅርቡ እትክእሉ

3. ናይ ቫት ምዝገባ ሰርተፊኬት ዘለኩምን ናይ ወርሒ ጥሪ 2010 ዓም ድክሌረሽን ክተቅርቡ እትክእሉ

4. ተጫረቲ ነዚ ጨረታ እዚ ተባሂሉዝተዳለወ ዶክመንት /ሰነድ/ ዘይምለስ 30 ብር/ሰላሳ ብር/ ብምክፋል ካብ እንትጮ ቴክኒክን ኮሌጅ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋ/ንብ/ምም/ርን ባዕሉኩም ወይ ከዓ ብሕጋዊ ወኪልኩም ክትወስዱ እትክእሉ

5. ንሕድሕድ ዓይነት መደብ ዝተመደበ ናይ ጨረታ ዉሕስና መክበሪ መሳርሒ ህንፃ 10000 ቅርሺ :ናይ ፕላንቢንግ 3000 ቅርሺ: ናይኤሌክትሪክ 5000 ቅርሺ: ናይ አዉቶሞቲቭ ሰፔር ፓርት 5000 ቅርሺ ናይ ፅሬት 1000 ቅርሺ ናይ ሕትመት 3000 ቅርሺ ናይ ኮብልስቶን 5000 ቅርሺ ናይ ጨርቃ ጨርቂ 1000 ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ብስም እንትጮ ቴክኒክን ኮሌጅ ዝተፅሓፈ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ ድማ ጥረገንዘብ ክተትሕዙ እትክእሉ::

6. ተጫረቲ ናይ ጨረታ መወዳደሪ ሰነድ እተቅርብዎ ናይ በዓል ዋና ስምን ፌርማን ሕጋዊ ማህተምን ብምዕራፍ ኦርጅናልን ፎቶ ኮፒ ብምግባር ኣብ ዝቀረበ ናይ ጨረታ ሰነድ መወዳደሪ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘለዎን ናይ ዋጋ ምዝባዕ ዘለዎ እንተቀሪቡ እቲ ጨረታ ሰነድ ተቀባልነት የብሉን አብ 2 ፖስታ ብምዕሻግ ካብ ዕለት 21/06/2010 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 13/07/2010 ዓ/ም ስዓት 5:00 አብ እንትጮ ቴክኒክን ኮሌጅ ነዚ ጨረታዚ ተባሂሉ አብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ክተእትዉ እትክእሉ::

7. ተጫራታይ ኣብቲ ጨረታ ዝሰዓሮ ንብረት ብደብዳቤ ወይ ብስልኪ ምስ ተለፀሉ ኣብ ዉሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ክአስር ዝክእልን መክብሪ

8. Â ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዓዝያ ናብ ኮሌጅና ብምቅራ ብባዕሉ/ብሕጋዊ ወኪሉ/ አቢሉ ብቴክኒክነ ኮሚቴ ፅሬቱ እናተረጋገፀ አታዊ ክገብር ዝክእል

9. ናይ ጨረታ ሰነድ ብቢሎቱ ኮይኑ ንሎት 1ን2ን3ን 8ን ዝዕሸገሉ ዕለት 13/7/2010ዓ/ም ሰዓት 5:00 ይከዉን

10. ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 13/07/09 ዓ/ም ሰዓት 5:30 ይከዉን

11. ናይ ጨረታ ሰነድ ብቢሎቱ ኮይኑ ንሎት 4ን5ን6ን 7ን ዝዕሸገሉ ዕለት 14/7/2010ዓ/ም ሰዓት 5:00 ይከዉን

12. ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 13/07/09 ዓ/ም ሰዓት 5:30 ይከዉን

13.

14. ኮሌጅና ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነዚ ጨረታ እዚ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

15. ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0914763536 0919042301 ደዊልከ ምሕታት ይካአልÂ Â

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo