ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ፀገዴ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ፀገዴ በጀት ዓመት 2010 ዓም ናይ ፅሬት አቁሑት :ኤለክትሮኒክስ አቁሑት :ህንፃ መሳርሒ :መኪና መለዋወጢ አቁሑት :ክዳን ሰፋይት :ናይ ጀነሬተር አቁሑት: መድሓኒትን ናይ ሕክምና ናዉትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ፀገዴ

ናይዚ ዘመን ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዘለዎም ምስክር ወረቀት መቅረባይነት በቲ ዘፈር ክተቅርቡ እትክእሉ

ብዘይካ መድሓኒትን ናዉቲ ሕክምናን ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮኑ ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2010 ዓም ወርሓዊ ሒሳብ ዝዓፀዉሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ ኮይኖም ንመለዋወጢ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ ግና ኣይግደዱን

ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ንመድሓኒትን ናዉቲ ሕክምናን ዘይምስ 50 ቅርሺ ንዝተረፉ ድማ ንሕድሕድ 20 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይክእሉ ተጫረቲ መክበሪ ጨረታ ንመድሓኒትን ናዉቲ ሕክምናን 10000 ቅርሺ ንዝተረፉ ድማ ንሕድሕድ 3000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይንድማ ካብ ሕጋዊ ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከትሕዙ ኣለዎም ጨረታ ዝካየደሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ፀገዴ ኮይኑ ሳንዱቅ ጨረታ ዕለት 04/7/2010 ዓም ሰዓት 5:00 ተዓሺጉ ብተመሳሰሊ ዕለት 5:30 ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ብዘይምርካቦም ናይ ጨረታ ስነ ስርዓት አይተኣጎጎልን እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

እቲ ቤት ፅሕፈት 20 ሚኢታዊ ናይ ምዉሳክ ወይም ምንካይ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ ንተወሳኪ ሓበሬታ 0914387011 ወይ 0348990069 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉÂ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo