ማእከል ቤት ህንፀት ዓዲግራት ምግብና ከምኡዉን መሳርሒ ፅሕፈት መሳርሒ ህንፃ ንተሃነፅቲ ስራሕቲ ዝዉዕሉ ጣዉላን ሓፂነ መፂንን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ

ማእከል ቤት ህንፀት ዓዲግራት

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ

ናይ 2010 ዓም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዘለኩም

• ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩም ናይ ወርሒ ጥሪ 2010 ዓም ወርሓዊ ሒሳብ ዝገበረ ምካኑ

ናይ 2010 ዓም ናይ መቅረባይነት ዘለኩም መረዳእታ ዋናት ቅዳሕን አተሓሒዙ ዘቅርብ ክትጫረቱ ትክእሉ

መክበሪ ጨረታ ንምግብና 15000 ቅርሺ ንመሳርሒ ፅሕፈትን ህንፃን ድማ 3000 ቅርሺ ንመሰልጠኒ ተሃነፅቲ ዝዉዕል ጣዉላን ሓፂነመፂንን 2500 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይንድማ ብባንኪ ሕጋዉነቱ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ኣቀዲምኩም ክተትሕዙ እትክእሉ

ሰነድ ጨረታ ካብ ማእከል ቤት ህንፀት ዓዲ ግራት ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ክፍሊ ቁፅሪ 9 ዘይምለስ 50 ቅርሺ ናከፈልኩም ክትወስዱ ትክእሉ

ሰነድ ጨረታ ሽም፣ ክታም፣ ማሕተምን ፣ንፁር ኣድራሻኩምን ብምፅሓፍ ብዝተዓሸገ ፖስታ ናብቲ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክተእትዉ ትክእሉ

ጨረታ ዝዕፀወሉ 28 ለካቲት 2010 ዓም ሰዓት 8:00 ተዓፅዮ በቲ ዕለት ሰዓት 8:30 ይክፈት እቲ ቤት ዕዮ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ። ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344450953 ደዊልኩም ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo