ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ኣብ 2010 ዓም ዋንነቱ ናይ ቤት ፅሕፈት ሕርሻ ልምዓትን ገጠርን ዝኮነ ብናይ ስደተኛታት ተፅዕኖ ምንካይ ፕሮጀከት ብዝተሓዘ በጀት ኣብ ወረዳና ኣብ ዝርከባ ሰለስተ ጣብያታት ስምረት ሐደ ዕርዲ ሕብረት ሐደ ሰላም ክልተ ዝስርሓ አርባዕተ ፖርፎርማ ጨረታ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ

1 ብማይ ተንከፍ ስራሕቲ ሕጋዊ ንግዲ ፈቃድ ዘለዎ ግብሪ መንግስቲ ከፊሉ ናይ 2010 ዓም ፈቃድ ንግዲ ዘሐደሰ መለለይ ቲን ቁፅሪ ዘለዎ

2 ኣብ ከፈላይነት ግብሪ ዝተመዝገበ ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝበ ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2010 ዓም ሒሳብ ዘወራደርሉን መረዳእታ ዘቅርብ

3 ኣብ ማይ ተንከፈ ኮንስተራክሽን ስራሐቲ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ዘለዎን ናይ 2010 ዝተመዝገበን ዘሐደሰን

4 ተወዳደርቲ ቅድሚ ፕሮፎርማ ምክፍቱ ናይ ፕሮፎርማ ዉሕስና መከበሪ ቢድ ቦንድ ንነብስወከፍ ቼክ ዳም 3000 ቅርሺ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

5 ተወዳደርቲ እዚ ምልክታ ፕሮፎርማ ካብ ዝተጋወሐሉ ንሕድሕድ ቼክ ዳማ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ዝተዳለወ ሰነድ ፕሮፈርማ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ አስገደ ፅምብላ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስ ምምሕዳር ንብረትን ክትወስዱ ትክእሉ

6 ተወዳደርቲ ዝመለእዎ ዋጋ ፕሮፎርማ ሰነድ ጨረታ ፋይናንሻል ንነብስወከፍ ፕሮጀክት ሐደ ፖስታ ዋና ክልተ ቅዳሕ በበይኖም ብፖስታ ተዓሺጎም ናይ ዝወዳደርሉ ፕሮጀክት ብማረከር ሽም ብምፃሓፍ ማሕተም ብምገባር መሊሶም ብሐደ ዓብይ ፖስታ ብምዕሻግ ናይ ዝዳደርሉ ፕሮጀክት ሽም ኣብ ልዕሊ እቲ ፖስታ ብማርከር ብምፅሓፍ ማሕተም ብምግባር ፕሮፎርማ ሰነዶም ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስ ምምሕዳር ንብረትን ዝተዳለወ ሳንዱቅ ፕርፎርማ ኣታዊ ክትገብሩ ትክእሉ

7 እቲ ቴክኒካል መዐቀኒ ፕሮፎርማ ፋይናንሻል ዕለት 21 የካቲት 2010 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:30 ቴክኒካል ፖስታ ተከፊቲ ምስተገምገመ ፋይናንሻል ሰነድ ተሪኡ በዚ ዕለት ሰዓት 8:00 ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ይክፈት

8 ቅድመ ክፍሊ ዝክፈሎ ምካኑ ኣሚኑ ክወዳደር አለዎ

9 እቲ ፕሮፎርማ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዝ 30 መዓልቲ ኮይኑ ዝሰዓረ ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ጀሚሩ ንቼክ ዳም ኣብ ዉሽጢ 90 መዓልቲ ሙሉእ ብሙሉ ብዲዛይን ዝርዝር መዐቀኒ ሰሪሑ ከቅርብ ዝክእል

9 ዝተረፈ ናይ ጨረታ መመርሒ ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ይርኣዩ

10 ቤት ፅሕፈትና ንዘዉፀኦ ፕሮፎርማ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ፕሮፎማ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0346610255 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ ።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo