ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ጋንታ ኣፈሹም ኣብ በጀት ዓመት 2010 ዓም ንኣብየተ ፅሕፈት እቲ ወረዳ ግልጋሎት ዝዉዕሉ መሳርሒ ፅሕፈት : ኣቅሑት ኤሌክተሮነክስ : መለዋወጢ ኣቅሑት ሞተር ሳይክል: ኣቅሑት ፅሬት: ናይ ማይ መለዋወጢ : መሳርሒ ህንፃ : ሕትመት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ጋንታ አፈሹም

1 ናይ መሳርሒ ፅሕፈት ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ መለዋወጢ ኣቅሑት ሞተር ሳይክል ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመገብን ናይ ወርሒ ጥሪ ናይ 2010 ዓም ተወሳኪ እሴት ታክስ ፀብፃብ ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

2 ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ናይ 2010 ዓም ከምእዉን መለለይ ቍፅሪ ከፍልቲ ግብሪ ከቅርብ ዝክእል

3 ሓድሽ ዝተሐደሰ ወረቀት ምክስር ወረቀት ከቅርብ ዝክእል

4 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ከፊሎም ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ጋንታ ኣፈሺም ደገፋ ከይዲ ስራሕን ንብረት ምምሕዳርን ምዉሳድ ይከኣል

5 መከበሪ ጨረታ ንፅሕፈት መሳርሒ 5000 ቅርሺ ንኣቅሑት መለዋጢ ሞተር ሳይክል 5000 ቅርሺ ክምእዉን ንኣቅሑት ፅሬት 3000 ቅርሺ ንህንፃ መሳርሒ 3000 ቅርሺ ንሕትመት 3000 ቅርሺ ብጥረ ገንዝብ ወይ እዉን ብሰፒኦ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ዝተዉሃበ ብሽም እቲ ቤት ፅሕፈት ከትሕዝ ዝእክል

6 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ ኣማራፅ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

7 ሳንዱቅ ጨረታ ዝርከበሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ ጋንታ አፈሹም ኮይኑ እቲ ጨረታ ካብ 13 ለካቲት 2010 ዓም ጀሚሪ ንተጫረቲ ክፍቲ ይከዉን

8 ሳንዱቅ ጨረታ 5 መጋቢት 2010 ዓም ሰዓት 8:00 ድሐሪ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣበ ዝተረከብሉ ይክፈት

9 ተጫረቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ፅሬቱ ምስተረጋገፀ ብናይ ባዕሎም መጎዓዝን ወፃኢን ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ ጋንታ አፈሹም ከቅርቡ ይግብእ

10 ተጫረቲ ኣብ ዝመልእዎ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ ኣይግባእን ከምእዉን ንዝወሰድዎ መወዳደሪ ሰነድ ዋላ ሓንቲ ከይ ኣጉደሉ ንነብሰ ወከፍ ማህተም ክታምን ክዕርፍሉ ይግባእ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344451137

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo