ቤት ፅሕፈት ዞባ ደቡብ ፖሊስ ንቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕሉ ናይ ፅሕፈት 2010 ዓ/ም ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ዞባ ደቡብ

ስለዚ ሕጋዉያን ነጋዶ ዝኾንኵም ንክተወዳደሩ ንዕድም ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ንጥብታት

1. በቲ ዘርፊ ንግዲ ናይ 2010 ዓ/ም ዝተሐደሰ ንግዲ ፈቃድ ቲን ነበርን ከቅርብ ዝኽእል ::

2. ሓዱሽ ናይ 2010 ዓ/ም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ካርዲ ዘለዎ::

3. ቫት ተመዝጋቢ ዝኾኑን ከምኡዉን ንዝማልኡ ደቀቅትን ኣናእሽተይን ትካላት ክሳትፍ ዝክእል::

4. ካብ ሓምለ ወርሒ ኣትሒዙ ቫት ዲክላር ዝገበረሉ መረዳእታ ከቕርብ ዝኽእል::

5. መክበሪ ጨረታ ንፅሕፈት መሳርሒ 1000 /ሓደ ሽሕ ብር/ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል

6. ንሕድሕድ ናይ ጨረታ ሰነድ ብናፃል ካብ ዕለት 7 / 06 / 2010 ዓ/ም ጀሚሩ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ አብ ናይ ስራሕ ሰዓት አብ ዞባ ደቡብ ፖሊስ ቤት ፅሕፈት ማይጨዉ 4ይ ፎቅ ቢሮ ቁፅሪ 32/36 እናመፃእኩም ምዉሳድ ይከአል::

7. እቲ ጨረታ ሳንዱቅ 27/ 06 /2010 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ ሰዓት 4:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረኽብሉ አብ ከተማ ማይጨዉ ዞባ ፖሊስ 4ይ ፎቅ ቢሮ ቑፅሪ 8ተ ይኽፈት::

8. ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

9. እቲ ቤት ፅሕፈትና 20 % ናይ ምዉሳክ ምቕናስን መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

10. ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ 15 መዓልቲይኸዉን::

11. ትራንስፖርት ብዓሉ ናብ ከተማ ማይጨዉ ዞባ ፖሊስ ቤት ፅሕፈት ከቕርብ ዝኽእል :

12. ንተወሳኺ ሓበሬታ: ብስልኪ ቁፅሪ 0347770505 ብሞባይል ቁፅሪ 0914769023 ወይ 0914169569 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo