ቤት ፅሕፈት ማይ ግልጋሎት ከተማ እንትጮ አብ ናይ 2010 ዓም በጀት ንቤት ፅሕፈትና ግልጋሎት ዝዉዕል ዝተፈላለዩ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ: ናይ ፕላምቢንግ ንብረት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ከተማ እንትጮ ግልጋሎት ማይን ፍሳስን

1 ናይ 2010 ዝተሐደሰ ንግዲ ፈቃድ ቲን ናምበር ኣብ ናይ መንግስቲ ዕድጊት ናይ ምስታፍ ፍቃድ ወይ ዝተሐደሰ መቅረባይነት ዘለኩም ናይዚ መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ከተሓሕዝ ዝክእልን

2 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምን ናይ ሐምለ ወርሒ 2009 ዓም አታዊ ዝገበርኩምሉ መረዳእታ ዋናን ቅዳሕን ክተቅርቡ እትክእሉ

3 አብዚ ናይ መወዳደሪ ዋጋ መምልኢ ወረቀት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ብምምላእ ናይ በዓል ዋና ንግዲ ወይ ወኪሎም ፈሪሙ ማሕተም ክግበረሉ አለዎ ኣብዚ ስርዝ ድልዝ ወይ ዝተዋቀዐ ዋጋ እንተተመሊኡ ካብ ዉድድር ወፃኢ ይከዉን

4 እዚ ዝዕደጉ ንብረት ኣብ ክልተ ሎት ዝተከፈለ ኮይኑሑ

ሀ /ሎት ሐደ: ፅሕፈት መሳርሒ: ናይ ፅሬት ኣቅሑት :ናይ ቢሮ ኣቅሑትን ካልኦትን ኣናእሽቲ ንብረትን

ለ/ሎት ክልተ: ፕላምቢንግ ኣቅሑትን መገጣጠምን : ናይ ህንፃ መሳርሒ ኮይኖም አብ ሎት ሐደ እንትወዳደሩ መክበሪ ጨረታ 5000 ብር ኣብ ሎት ክልተ እተወዳደሩ መክበሪ ጨረታ 10,000 ብጥረ ገንዝብ ወይ ብስም ከተማ እንትጮ ማይ ግልጋሎት ዝተሰርሐ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ስፒአ ከትሕዝ ዝክእሉ

5 ጨረታ አብ አየር ዝፀንሐሉ ካብ 30/5/2010 ዓም ክሳብ 15/6/2010 ዓም ሰዓት 6:00 ንጎሆ ክፍቲ ኮይኑ ዝፀንሕ እንትከዉን አብ ከተማ እንትጮ ማይ ግልጋሎት ደከስዕፋንምምርን ቢሮ ቁፅሪ 04 ብምምፃእ ሰነድ ጨረታ መግዝኢ ዘይምለስ 50 ብር ብምክፋል ክትዕድጉ እናሐበርና ዕለት 16/6/2010 ዓም ሰዓት 6:05 ንጎሆ ተዓፅዮ 8:00 ሰዓት ድቀትሪ ይክፈት

6 እዚ ጨረታ ሰነድ ዝመልእዎ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ እዋን 60 መዓልቲ ይከዉን

7 እዚ ሰነደ ጨረታ ብ2ተ ኮፒ ዝዳለዉ ኮይኑ ኦርጅናል ኮፕን ነንበይኑ ስምን ኣድራሻን ብምፅሓፍ ብሽምዒ ብዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርብ አለዎ

8 ሰዓራይ ዉዕሊ ምስአሰረ ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ከተማ እንትጮ ማይ ብምቅራብ ብስብ ሞያ ፅሬቱ ምስተረጋገፀ ኣታዊ ይከዉን

9 ቤት ፅሕፈትና ካብ ኣብ ሰነድ ጨረታ ተቀሚጦም ዘለዉ ዝርዝር ኣቅሓ ነንሕድሕዶም 20% ምዉሳክ ወይ ምቅናስ ከምዝከኣል ክፍለጥ አለዎ

10 አብቲ ጨረታ ሰነድ ይኩን ካልኦት መብራርሂ አብ ዝተደለየሉ ግዜ ስልኪ ቁፅሪ 0344490017/ 0914763838/ 0914763430

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo