ዓ/ዓዲ ሆስፒታል ካብዚ ዝተጠቐሰ መድሓኒትን ናዉቲ ሕክምና ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ

ሆስፒታል ዓብይ ዓዲ

  • ናይዚ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም መቕረበቲ ሰብ ትካል ናይ 2010 ዓ/ም ግብሪ ዝኸፈልኩምን ዘሐደስኩምን ብመቕረባይነት ኣብ ፋይ/ኢ/ልምዓት ዝተመዝገብኩምዎ Tin number ዘለኩም ሰብ ትካል ብስምኩም ዝተዓሸገ ፖስታ ናብ ዓ/ዓዲ ሆስፒታል ምሰ መሰነይታ ተታሒዙ ብዝቐረበ ሰንጠረዥ መሰረት ናይ ሐደ ዋጋ ብምጥቃስ ምቕራብ ዝከኣል ምኻኑ ንገልፅ

1 ናይ 2010 ዓ/ም ዝተሐደሰ ናይ ስራሕ ፍቓድን መለለይ ቁፅሪን/ tin number ኣብ ናይ መንግስቲ ግዝኢት ንምስታፍ ዝተወሃበ 2010 ዓ/ም ናይ መቐረቢ ምስክር ወረቀት ኮፒ ከተሓሕዝ ዝኽእል

2 ኣብቲ ብሆስፒታልና ዝተዳለወ ሰነድ ቅጥዒ ጥራሕ ክመልእ አለዎ

3 አብቲ ቅጥዒ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ እነተኮይኑ ካብ ዉድድር ወፃኢ ይኸዉን

4ግልጋሎት ዘመን/expired date/ መድሐኒት እንተዘተመሊኡ ካብ ዉድድር ወፃኢ ይኸዉን

5 ዕድመ መድሓኒት ልዕሊ 6ተ ወርሒ ክከዉን አለዎ

6 በቲ ዝቐረበ ስፐስፊካሽን Unit መሰረት ተጌሩ ዋጋ ክምላእ አለዎ

7 ኣብቲ ናይ ጨረታ መምልኢ ቅጥዒ ሕጋዊ ማህተም ክዓርፎ አለዎ

8 መክበሪ ጨረታ ከትሕዝ ዝክእል 10000 ይከዉን

9 ዘይምለስ ናይ ሰነድ ጨረታ ብር 30 ገዚኡ ይዉሰድ

10 ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ግዜ ካብ 24/5/2010 ዓ/ም -12/06/2010 ዓ/ም ይኸዉን

11 ሰነድ ዝዉሰደሉ ኣታዊ ዝግበረሉን ቦታ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ መቐለ

12 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 12/06/2010 ዓ/ም ሰዓት 4:00

13 ጨረታ ዝኽፈተሉ ቦታ ዓዓዲ ሆስፒታል ዕለት 12/06/2010 ዓ/ም ዓ/ም ሰዓት 4:30

14 እቲ ዘሸነፈ መድሓኒት ዉዕል ከቕርብ ዝኽእል እንትከዉን ተዘይኣቅሪቡ ድማ 10%ናይቲ ዘሸነፎ መድሓኒት ዋጋ ይቕፃዕ /ይኸፍል

15 ናይ ትራንስፖርት መጎዓዓዝያ ወጪ ብናይ ባዕሉ ምካኑ ፈሊጡ ዝጫረት

16 ዉዕሊ ድሕሪ ምእእሳሩ ዘንጊዑ ዘቅርብ ተጫረቲ 1/1000 ዝቅፃዕ ምካኑ ፈሊጡ ዝጫረት

እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰል አለዎ ንዝበለፀ ሓበሬታ ሞባይል 0344460050 /51 ምሕታት ይከኣል እዩ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo