ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት ኣብ 2007 በጀት ዓመት ብመደበኛ በጀት አብ ወረድኡ ንዝርከባ ኣብያት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ፅሕፈት መሳርሒን ዝተፈላለዩ ሐለቅቲ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ ፈርንቸርን ደንቢ ክዳንን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ

ቤት ፅሕፈትን ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት

ምልክታ ግልፂ ጨረታ    

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት ኣብ 2007 በጀት ዓመት ብመደበኛ በጀት አብ ወረድኡ  ንዝርከባ ኣብያት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ፅሕፈት መሳርሒን ዝተፈላለዩ ሐለቅቲ ኣቅሑት  ኤሌክትሮኒክስ ፈርንቸርን ደንቢ ክዳንን ብግልፂ  ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ  ይደሊ

በዚ መሰረት ተወዳደረቲ  ከማልእዎም ዝግብኡ  ረቆሒ::

1 ኣብ 2007 ዓ/ም ዝተሐደሰ ናይ ዘረፉ ንግዲ ፍቓድን ናይ መቅረብቲ  ሰርትፈኬትን  ዋናን  ኮፒን::

2  ናይ መለለይ ቁፅሪ /TIN/ን VATን ሰርቲፌኬት ዋናን ኮፒን::

3  ናይ ወርሒ ጥሪ 2007 ዓም ዓዲ ዉሸጢ እቶት ኣታዊ ዝገበረሉ  ወረሓዊ  ድክለሬሽን ዋናን ኮፒን::

4 ነቲ ዝካየድ ጨረታ መኸበሪ  ዘዉዕል ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ንሕድሕድ ሎት 3000.00 ብ CPO ወይከዓ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ከትሕዙ ዝኽእሉ::

5 ናይ መካይን መለዋወጢ ብናይ ባዕሉ መጉዓዝያ/ ትራንስፖርት አጉዓዒዙ ኣብ ሽረ ከረክብ  ዝክእል::

  1. ጨረታ ተከፊቱ ሰዓራይ ምስ ተገለፀ ናይ ዘሰዓሮ 10% ኣትሒዙ  ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል

ነዞም ልዕል ኢሎም ዝተገለፁ ረቆሒ ከማልኡ ዝክእሉ መቅረብቲ ኣበቲ ጨረታ  ንኽወዳደሩ ይዕድም::

  • ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 11/07 /2007 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 23/ 07/2007 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ መዓልትን  ሰዓትን ካብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ክልል ትግራይ /ደጀን/ ኣዉራ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን 2 ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ -2-06 እናወሰዱ ሐደ ኦርጀናልን ክልተ ኮፒን በበይኖም ብፖስታ ዓሺጎም ኣብ ልዕሊ እቲ ፖስታ ኦርጅናልን ኮፒን ተባሂሉ ተፃሒፉ ኣብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ክልል ትግራይ /ደጀን/ ኣዉራ ከይዲ ስራሕ  ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር 2ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ -2-06 ናብ ዝተዳለወ ሳፁን ከእትዉ አለዎም እቲ ጨረታ 23/07/ 2007 ዓም ሰዓት 4:00 ናይ ንጉሆ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት 23/07/2007 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዘለዉሉ ኣብ ቢሮ ት/ፋይናንስን ክልል ትግራይ ይኽፈት
  • ቤት ፅሕፈትና ካብዚ ወፃኢ ካሊእ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ ጨረታና ኣበ ዝኽፈተሉ ቦታነ እዋንን ኩሉ ሕሰብ ቀሪቡ ክዕዘብ ንዕድም::


 

 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo