ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይን ፈሳስን ከተማ ዓብይ ዓዲ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ዝተፈላለዩ ዓቐን ዘሎዎም ንብረታት ን 2010 ዓም ንኣጠቃላሊ ነቲ ዓመት ስራሕ መካየዲ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ማይ ትቦታትን መገጣጥምን : ፅሕፈት መሳርሒ :ኤሌክትሪክ : ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑት : ፈርኒቸር : ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ግልጋሎ ቀረብ መስተ ማይ ከተማ ዓ/ዓዲ

ስለዚ ክትጫረቱ እትደሊዩ መቕረብቲ ናይ 2010 ዓ/ም ንግዲ ፍቓድ ዝተሃደሰ ቲን መፍለይ ቁፅሪ ዘለኩም ቫት ተመዘገብቲ ምካንኩም መረዳአታ መለለይ ካርድን ከምኡዉን ናይ መቕረባይነት ወረቐት ዘለኩም ክትወዳደሩ ስለ እትክእሉ ናብ ትካልና ቤት ፅሕፈትና ብምቕራብ ዝርዝር ናይቲ አቑሑት ዝሐዘ ሰነድ ብር 50 ሓምሳ ዘይምለስ ብምኽፋል ካብ ዓ/ዓዲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ቀረብ መስተ ማይ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምርን ብአካል ብምቕራብ ካብ ዕለት 21/05/2010ዓ/ም ክሳብ ዕለት 12/06/2010 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ ዉሽጢ ሰነድ እናመፃእኹም ክትወስዱ ክትዕድጉ ከምእትኽእሉ እናገለፅና ተጫረቲ እዞም ነጥቢታት ኣብቲ ሰነድ ግልፂ ጨረታ ከማልኡ ይግባእ:: 

1 ምስቲ ንብረት ዘርፊ ናይ 2010 ዓ/ም ዘመን ግብሪ ዝከፈሉ ዘሐደሱ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ ብምቅራብ

2 ዝተመዝገበሉ መለለይ ቲን ኮፒ ከቅርብ ዘለዎ

3 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ /ቫት/ ምስክር ወረቐት ዘለዎን ዝክፍልን ኮፒ ከቅርብ ዘለዎ 

4 ናይ መቕረባይ ምስክር ወረቀት ኮፒ ዝተሐደሰ ከቅርብ አለዎ

5 ናይቲ ጨረታ መክበሪ ናይ ማይ ትቦታትን መገጣጥምን 6000 ብር : ፅሕፈት መሳርሒ 3000 ብር : ኤሌክትሪክ ንብረት 3000 ብር : ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑት 3000 ብር : ፈርኒቸር 3000 ብር ብኣፍለጦ ዘለዎ ባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ብሽም ቤት ፅሕፈት ግልጋለት ቀረብ መስተ ማይ ከተማ ዓ/ዓዲ ወይ ከዓ ብጥረ ገንዝብ ዝኽእል:;

6 ቫት ሓዊሱ ከመልእ አለዎ::

 

8 ናይ ወርሒ ጥሪ ዴክላረሽን ዝክፈለሉ ኮፒ ኽቕርብ አለዎ:: 

9 ተጫረቲ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ሰነድ ጨረታ ካብ ዓ/ዓዲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ቀረብ መስተ ማይ ከይዲ ስራሕ ዕ/ፋ/ን /ምም/ ር ብምዉሳድ ናይ መወደዲረከም ዋጋኩም ብምምላእ ኩሎም ዝተጠቀሱ አድለይቲ ዶክሜንት ኮፒን ኦርጅናልን ነንበይኖም ኣብ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰነድ ጨረታ ዝተዓሸገ ፖስታን ናይ ባዓል ዋና ማህተምን ፊርማን ብምዕራፍ ናብ ከይዲ ስራሕ ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ብክልተ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኦርጅናልን ኮፒን ነንበይኑ ናብቲ ሰነድ ጨረታ መእተዊ ዝተዳለወ ሳፅን የእቱ:: 

10 እቲ ምልክታ ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐለሉ ካብ ዕለት 21/5/2010 ዓም ክሳብ ዕለት 12/6/2010 ዓም ሰዓት 8:30 ናይ ድሕሪ ሰዓት ክፍቲ ኮይኑ ይፀንሕ

12 እቲ ዝተዳለወ ሳፁን ጨረታ 12/6/2010 ዓ/ም ሰዓት 8:31 ናይ ድሕሪ ሰዓት ይዕሸግ 13 ጨረታ ዝኽፈተሉ ቦታ ዓብይ ዓዲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ መካየዲ ስራሕ ዕፋንምምር ኮይኑ ዕለት 12/06/2010 ዓ/ም ሰዓት 8:40 ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ዘይተረከብሉ እዉን እቲ ጨረታ ፖስታ ከም ዝክፈት 

12 ዘሸነፈ ተጫራታይ ንዘሸነፈሎም ኣቁሑት መጎዓዓዚ መፅዓንን መራገፍን ባዐሉ ይሽፍን/ ናብ ዓ/ ዓዲ ቤት ፅሕፈት ግልጋለት ቀረብ መስተ ማይ ፍሳስን የርክብ:: 

13 ተጫራታይ እቲ ጨረታ አሸኒፉ ተባሂሉ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሸጢ ሓሙሽተ ናይ ስራሕ መዓልቲታት ዉዕል ብምእሳር ኣብ ዉሽጢ ዓሰርተ ተከታተለቲ ስራሕ መዓልቲታት ንብረት ብሙሉእነት የቕርብ:: 16 ሰዓራይ ኮይኑ ብዉዕል መሰረት ብእዋኑ ኣቑሑት ንዘይኣቅረበ መቕረባይ በቲ ናይ ጨረታ ደንቢ መሰረት አብ መዓልቲ 1/1000 ብር ይቕፃዕ:: 

17 ዝኾነ ተጫራታይ ናይ ጨረታ ዋጋ አብቲ ዝወስዶ ዝተዳለወ ባዶ ጨረታ ሰነድ ብትክክል አቐሚጡ ክወዳደር አለዎ ካብኡ ወፃኢ ብካሊእ ሰነድ ዘቕርብ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይቕበሎን ዉድቂ ይኽዉን:: 

18 ካብ ዝተቀመጠ ስፐስፊኬሽን ወፃእን አብቲ ቅጥዒ መብረሂ ኣብ ዝብል ምንካይ :ምቅያር :ምስራዝ ኣይፍቀድን:: 

19 ተወዳዳሪ ተጫራታይ አብ ዘቕርቦ ናይ ግለፂ ጨረታ ሰነድ ሽሙ : ፌርሙኡነ ኣድራሽኡን ማህተመ ናይቲ መቕረባይ (ድርጅት ) ብትክክል ዘየቐመጠ ንምንባብ አፀጋሚ ዝኾነ ፊደል ወይ አሃዝ ዘቐመጠ ብቀጥታ ካብቲ ጨረታ ይስረዝ:: 

20 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኮነ ብኽፋል ናይ ምስረዝ መሰሉ ሕልዉ እዩ:: 20 እቲ ዝቐርብ ሕድ ሕድ ንብረት ኦርጅናል ክኽዉን አለዎ::

21 ዉሕስና ዘድልዎ ንብረታት ኣብ እዋን ዉዕሊ ዉሕስና ዝተሐተቶ ግዘ ክህብ ዝክእል ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344460162 0923303430 0914019112 ኣድራሻና ከተማ ዓብይ ዓዲ 03 ቐበሌ ንመስመር ሓዉዜን ዘዉፅእ መንገዲ ንርከብ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo