ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይ ከተማ ሽረ እነዳስላሴ ስዒቦም ንዝተገለፁ ንብረታት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይ ከተማ ሽረ እነዳስላሴ

ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይ ከተማ ሽረ እነዳስላሴ ስዒቦም ንዝተገለፁ ንብረታት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

  • ዝተፈላለዩ መጠን ዘለዎም HDP ን GI ትቦን መገጣጠምን
  • ፓምፕታት ኤሌትሪክን መለዋወጢ ኣቅሑትን
  • መሳርሒ ፅሕፈትን ዝተፈላለዩ ናዉቲ ኤሌክትሮኒክስን
  • ንማይ መፃሪይ ዝከዉን ሐሸዋ

1 ናይ 2010 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ መቅረባይነት ናይ ግብሪ ከፈላይነት መለለይ ቁፅሪ መረዳእታ ምዝገባ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከቅርብ ዝክእል

2 ናይ ወርሒ ሕዳር 2010 ዓም ቫት ዝተከፈሎ ድክላሬሽን ወይ መተዳእታ ከቅርብ ዝክእል

3 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ንሕድሕድ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል

4 ጨረታ መከበሪ ቢድ ቦንድ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ ጥረ ገንዘብ ኣብ ተራ ቁፅሪ ሐደን ክልተን ንዝተገለፁ 5000 ቅርሺ ኣብ ቁፅሪታት 3 ን 4 ን ንዝተገለፁ ድማ 3000 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል

5 ጨረታ ዝፀንሐሉ ግዘ ካብ 1ጥሪ 2010 ዓም ክሳብ 15 ጥሪ 2010 ዓም ኮይኑ 15 ጥሪ 2010 ዓም ልክዕ ሰዓት 9:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት እሱ ሰዓት 9:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክብሉ ይክፈት

6 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታቶም ሽም ፊርማን ማህተምን ዘለዎ ኮይኑ ብሽምዒ ዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ማለት አዉን ፖስታ መሊእኩም ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ነንበይኑ ዝተዓሸገ ክክዉን አለዎ

7 ሰዓራይ ምኮኑ ምስተፈለጠ እቲ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ከም ኩነታቱ እንዳተረአየ ኣበ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይ ከተማ ሽረ እነዳስላሴ ከቅርብ አለዎ

8 ኣብ ርክክብ ግዚ ነቲ ዝወፀ መነፀርታ ማዕረ ምካኑ ብባዓል ሞያ ምስተረጋገፀ ንቅበል

9 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሸሐ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0344444339 0344442716

ኣብ ሰነድ ጨረታ ባዕልካ መነፀርታ ምፅሓፍ ይኩን ስርዝ ድልዝ ምግባር አይፍቀድን

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo