ማእኸል ሐወልቲ ሰማእታት ክልል ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ፋይናንስን ምምሕዳርን ንማእኸልና ግልጋሎት ዝዉዕል ማይ ብቦጥ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ማእከል ሐወልቲ ሰማእታት ትግራይ

ስለዚ ዝምልከተኩም መቅረብቲ በዚ ዝስዕብ ናይ ጨረታ ረቋሒ መሰረት ክትወዳደሩ ንዕድም 

1 ንግዲ ስራሕ ፍቃድ ዘሐደሱን ምዃኖም መረዳእታ ዘቕርቡ 

2 ናይ ግብሪ ከፈልቲ መለለይ ካርድ ቲን ዝተመዝገቡ ምዃኖም መረዳእታ ዘቅርቡን ኣብ መቕረባይ ዝርዝር ዝተመዝገቡ ምዃኖም መረዳእታ ዘቕርቡን 

3 ናይ ወርሒ ሕዳር 2010 ዓም ቫት ዲክሊር ዝገበረሉ መረዳእታ ዘቅርብን 

4 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መክበሪ ብር 3000.00 /ሰለስተ ሽሕ/ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ብሽም ማእኸልና ከትሕዙ ዝክእሉ

5 ጨረታ ሰነድ ካብ ማእኸል ሃወልቲ ሰማእታት ክልል ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 04 ዘይምለስ ብር 30.00 /ሰላሳ ብር /ጥራሕ ከፊሎም እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 20/02/2010 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 3/05/2010 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ናይ ንጉሆ ኣብ ዘሎ ስራ ሰዓት ዓዲጎም ነፀላን ጠቅላላ ዋጋን ምስ ቫቱ ሓዊሶም ብዝተዓሸገ ፖስታ ብምግባር ኦርጅናልን ኮፒን ነንበይኑ ብምዕሻግ ናይ ትካሎም ማህተም ብምግባር ናብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንደቅ ኣታዊ ይገብሩ 6 ጨረታ ሳንዱቅ ዝርከብሉ ቦታ ኣብ ማእኸል ሃወልቲ ሰማእታት ክልል ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ምምሕዳርን ፋይናንስን ቢሮ ቁፅሪ 07 ይኸዉን

7 ጨረታ ምስ ተከፈተ ተጫረቲ ኣብ ዘቕብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ለዉጢ ወይ ምምሕያሽ ምግባርን ካብ ጨረታ ነብስካ ምግላልን አይክእሉን 

8 ጨረታ ዕለት 3/05/2010 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ይዕሸግ 

9 ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 3/05/2010 ዓ/ም ሰዓት 3:40 ቅድሚ ቀትሪ ኮይኑ ተወዳደርቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለዉሉ ይከፈት ብዘይ ምርካቦም ከይዲ ጨረታ ኣይተኣጎጎልን 

10 ተጫረቲ ኣብ ጨረታ ዝተቐመጡ ነጥብታት ግልፂ እንተዘይኮይንሎም መብርሂ ወይ መማሓየሺ ሕቶ ከቕርቡ ዝክእሉ ጨረታ ዝኽፈተሉን እዋን ቅድሚ ምብፅሑ ይኸዉን

11 ጨረታ ዝሰዓረ ኣብ ጊዜ ውዕሊ ካብቲ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10 % ከትሕዝ ዝኽእል 

12 ናይ ማይን ካልኦት ወፃኢታትን ብተጫራታይ ይሽፈን 

13 ማእኸልና እዚ ጨረታ ዘየዋፅእ እንተኾይኑ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰል አለዎ ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስቁ 0342400058 ደዊልኩም ምሕታት ትኽእሉ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo