ማእከል ምርምር ሕርሻ ሑመራ ብናይ መደበኛ በጀት 2010 ዓም ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ሕድሕድ ምድብ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ማእከል ምርምር ሕርሻ ሑመራ
  • በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ሮቆሒታት ብምምላእ ተዳሓሒዙ ዝቐረበ ዝርዝር መሰረት ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ኢንስቲትዩት ምርምርÂ ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 09 ጨረታ ሰነድ ብምዕዳግ ትጫረቱ ከምትኽእሉ ነፍልጥ::

ምድብ 1 ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቑሑት

ምድብ 2 ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቑሑት

ምድብ 3 ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት

ምድብ 4 ናይ እንስሳት መድሓኒት

ምድብ 5 ናይ ሕርሻ መሳርሒ ኣቑሑት

1 ብተዛማዲ ስራሕ ዝተሃደሰ ንግዲ ፈቓድ ዘለዎ ኮፒ ከቕርብ ዝኽእልን ኣብ ናይ መቅረባይ ዝተመዝገበን ግብሪ ዝኽፋልሉ ምስክር ወረቐት ኮፒ ከቕርብ ዝኽእል::

2 ናይ ጨረታ ዉሕስና መኽበሪ ንሕድሕድ ምድብ 3000 (ሰለስተ ሽሕ) ብማእከል ምርምር ሕርሻ ሑመራ ሽም CPO ወይም ቢድ ቦንድ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ይግባእ::

3 ተጫረቲ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክሲ(VAT) ተመዝገብቲነ ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2010 ዓ/ም ዲክለር ዝገበርኩመ መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ኽቕርቡ አለዎም::

4 እቲ ጨረታ ብክልተ አንቨሎፕ ተዓሺጉ ክቐርብ ዘለዎ እንትኸዉን ዋንኡ ኦርጅናል ምስ ኮፒ ሰነድ ናይቲ ትካል በዓል ስልጣን ፊርማን ማሐተምን ክህልዎ ይግባእ ::ናይ ንግዲ ፈቃድ: ቲን ዝተመዝገብሉ :ቃለ መሓላ ናይ ኣቕራባይ ምዝገባ ምስክር ወረቐተ: CPO ወዘተ ዘድሊ ሰነድ ብኦርጅናል ዶክመንት ከተሓሓዝ አለዎ::

5 ሰነድ እቲ ጨረታ ኣብ ቢሮ ቑፅሪ 09 ዘይምለስ 50 / ሓምሳ ብር/ ከፊሎም ብምዉሳድ ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይኽእሉ ከምኡዉን ተጫረቲ ብዘቅረብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ሽሞም ፊርማ ኣድራሻን ክገልፁ አለዎም::

6 ተጫረቲ ኣብ ጨረታ ሰነድ መብርሂ ወይም ናይ ምምሕያሽ ሕቶ እንተሃሊዎም ቅድሚ ካብ ዝተወሰነ ግዜ ገደብ ብስልኪ ቑፅሪ 03 44 40 28 01 ክሓቱ ይክእሉ::

7 ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት 16/04/2010 ዓ/ም እስካብ 3/05/2010 ዓ/ም ኾይኑ ዕለት 3/05/2010 ዓ/ምÂ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ አብዚ ዕለት እዙይ ማለት ዉን /05/2010 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረከብሉ አብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 09 ይከፈት ይኹን እምበር ተጫረቲ ጨረታ አብ ዝኽፈተሉ ጊዜ እንተዘይተረኪቦም እቲ ጨረታ ካብ ምክፋት ኣይትኣጎጉልን ::

8 ማእከል ምርምር ሕርሻ ሑመራ ዝሐሸ አማራፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስረዝ መሰሉ ሕልዉ እዩ::

ኣድራሻ ዒላላ ፈልሲ ጣብያ እትዉ ኢልካÂ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo