ቤት ፅሕፈት ማይን ፈሳስን ከተማ ዳንሻ ኣብ በጀት ዓመት 2010 ዓም ዝተፈላለዩ ዓይነት ንብረት ካብ ሕጋዊያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ማይን ፈሳስን ከተማ ዳንሻ

1 ናይ 2010 ዓም ግብሪ ዝከፈለን በቲ ዘፈር Â ንግዲ ፍቃድ ዘሐደስን Â ሐደ ቅድሕ ከቅርብ ዝክእልን

2 መለለዩ ከፈልቲ ግብሪ ዘለዎን Â ሐደ ቅድሕ ከቅርብ ዝክእልን

3 ናይ 2010 ዓም ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ዘለዎን Â ሐደ ቅድሕ ከቅርብ ዝክእልን

4 ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገበን ሐደ ቅድሕ ከቅርብ ዝክእልን

5 ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2010 ዓም ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእልን

6 ተጫረቲ Â ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 30 ቅርሺ ብምክፋል ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ 1 ጥሪ 2010 ዓም ሰነድ ጨረታ ካብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 3 ምዉሳድ ይከኣል

7 ተጫረቲ ነድድ ጨረታ ብዝግባእ ብምምላእ ፋይናንሻል ዋጋ መወዳደሪ ዋናን ቅዳሕንን ነንበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ብዝግባእ ታዓሺጉ ኣብ ሕድሕድ ፖስታ ድማ ናይ ተጫረቲ ሽም ኣድራሻ ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ ተፃሒፍሉ ማሕተምን ፊርማን ዓሪፍዎ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ማይን ፈሳስን ከተማ ዳንሻ ቢሮ ቁፅሪ 3 ዝተዳለወ ሳጥን ክሳብ 1 ጥሪ 2010 ዓም ሰዓት 4:00 ክእትዉ አለዎም

8 መከበሪ ጨረታ ንመሳርሒ ፅሬት 30 ቅርሺ : ንደንቢ ክዳን 500 ቅርሺ : ንመሳርሒ ፅሕፈት 800 ቅርሺ : ንመሳርሒ ኤሌክትሮኒክስ 1500 ቅርሺ :ንማይ ትቦታትን መጋገጠምትን 4000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

9 ሰዓራይ ጨረታ ምስተፈለጠ ነቶም ተስዓርቲ ዘትሐዝዎ መክበሪ ጨረታ ሽዑ ንሽዑ ዝምለሰሎም እንትከዉን ሰዓራይ ንዝኮኑ ተጫረቲ መክበሪ ዉዕሊ ኣትሒዞም ዉዕሊ ምስኣሰሩ ዘትሓዝዎ መክበሪ ጨረታ ሽዑ ንሽዑ ዝምለሰሎም ይከዉን መክበሪ ዉዕሊ እንድሕር ዘይኣትሒዞም ግና ዘትሓዝዎ መክበሪ ጨረታ ናብ ቤት ፅሕፈት ኣታዊ ይግበር

10 ምልክታ ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ግዘ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ Â 1 ጥሪ 2010 ዓም ይከዉን እቲ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ፈሳስን ማይን ከተማ ዳንሻ ቢሮ ቁፅሪ 3 1 ጥሪ 2010 ዓም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዮ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫቲ ወይድማ ሕጋዊ ተጫረቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ኮይኑ ግና ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም እነዘተይተረኪቦም ቤት ዕይና ጨረታ ፖስታ ናይ ምክፋት መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

11 ሰዓራይ ጨረታ ብናይ ባዕሉ መጋዕዝያ ሕድሕድ ንብረት ብናይ ፅሬት ኮምቴ ትክከለኛነት ፅሬቱ ድሕሪ ምርግጋፃን ርክብ ኣብ ቤት ፅሕፈት ማይን ፋሰስን ከተማ ዳንሻ ድሕሪ ምፍፃም ክፍሊት ዝፍፀም እንትከዉን እቲ ንብረት ብበዓል ሞያ ተረጋገፁ ብልሕት እንተሃሊዩዉ ግን እቲ ዝተባላሸዉ ንብረት ቀይሩ ናይ ምርካብ ግዴታ አለዎ

12 ልዕሊ 10000 ቅርሺ ዝሰዓረÂ 2ሚእታዊ ዊዝሆልድ ግብሪ ክከፍል ዝክእል

13 20 % ናይ ምዉሳክን ምንካይ መሰል አለዎ ከምኡዉን ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰል ዝተሐለወ እዩ

ንዝበለፀ ሓበሬታ 0344360373/0914771157

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo