ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ካብ ክልል ዝተመደበ መደበኛ ማለት እዉን AGDP በጀት ኣብ ጠብያ ራብያን ክልተ ኣብ ጠብያ ዉህደት ክልተ ዓሞቅቲ ጎዳጉዲ ፓምፕ ናይ ትቦ መስመር ዝርገሐ ሲስተም ብተወሳኪ እዉን ኣብ ጣብያ ዉህደት ክልተ ገዛ ናይ ጀነሬተር ጎደጉዲ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ቃፍታ ሑመራ
  • ናይ ማይ ተንከፍ ፍቃድ ዘለዎም ደቀቅትን ኣናእሽተይ ትካላት ንግዲ ደረጃ ትሸዓተ ኣናእሸተይ ትካላት ንግዲ ዝኮነኩም ማሕበራት
  • ስለዚ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ሮቆሒታት እተማልኡ እዚ ምልካታ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚርኩም ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈትና ብምዉሳድ ንክትወዳደሩ ብክብሪ ንዕድም

1 ናይዚ ዘመን ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ስራሕ ንግዲ ማይ ኮንትራክተር ዘለዎን ዋና ምስ ዘይምለስ ቅዳሕ ዘቅርብን ናይ ከፋላይ ግብሪ መለለይ ቁፅሪ ዘለዎን መረዳእታ ዘቅርብን

2 ኣብ ናይ መንግስቲ ግዝኢት ንምስታፍ ዝተዉሃቦ ናይዚ ዘበን ዝተሐደሰ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ከቅርብ ዝክእል

3 ናይ ደቀቅቲን ኣናእሽተይ ትካላት ንግዲ መግለፂ ደረጃ ትካል ምስክር ወረቀት ናይ ደረጃ ትካል 9 ኣናእሽተይ ፍቃድ ዘለዎ

4 ብማይ ተንከፍ ስራሕቲ ደረጃ 9 ብቅዓት መረጋገፂ ዘለዎ

5 መከበሪ ጨረታ 7000 ሸዉዓተ ሽሕ ቅርሺ ብጥረ ገንዝበ ወይ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

6 ተጫረቲ ዉዕሊ ካብ ዝአሰርሉ ዕለት ጀሚሮም ኣብ ዉሽጢ 90 ተከታታልቲ መዓልቲታት ሰሪሑ ከረክብ ዝክእል

7 ኣብ ሳይት ካብ ዝተረከብሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 90 ተከታታልቲ መዓልቲ ሙሉእ ብመሉእ ዛዚሙ ከረክብ ዝክእል ብጀካ Mobilization day ማለት እዉን መንቀሳቃሲ መዓልቲ 15

8 ተጫረቲ ናይ መወዳደሪ ሰነድ ጨረትኦም ፋይናንሻል ሐደ ዋናን ምስ ክልተ ቅዳሕ በብይኑ ብምዕሻግ ጠቅላላ ኣብ 3 ተዓሺጎም ከቅርቡ ግቡእ አለዎም

9 ዝከነ ይኩን ተወዳዳራይ በቲ ቤት ዕዩና ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ብክፋል ምቅራብ ኣይከኣልን ኣብ ነብሰ ወከፍ ገፅ ናይ ትካል ማሕተም ፊርማን ዘይገበሩ ካብ ዉድድር ወፃኢ ይኮኑ

10 ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ክፍሊ ቁፅረ 1 ዘይመለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል

11 ጨረታ ካብ 13/4/2010 ዓም ክሳብ 27/4/2010 ዓም ሰዓት 12:00 ዝፀንሕ ኮይኑ 28/4/2010 ዓም ሰዓት 3:00 ተዓሺጉ ሰዓት ኣብ ተመሳሳሊ ዕለትÂ ንግሆ ሰዓት 3:30 ይክፈት

13 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344480183 ወይ 0344480087 ብምድዋልን በኣካል ብምቅራብን ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo