ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጎዓዝያን ከተማ ሸራሮ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ህንፃን ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን ኣብ በጀት ዓመት 2010 ዓም ኣብ ጣብያ ሐየሎም ቁሸት ዝርከብ ዋንነቱ ናይ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ከተማ ሸራሮ ዝኮነ ኮንደሚንየም ዝነበረ ሐደ ህንፃ ናብ ቤት ፅሕፈት ተቀይሩ ንምስራሕ ናይ ኮንስተራክሽን ፍቃድ ብደረጃ 8 ደቂቅ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም ማሕበራት ዉይድማ ዉልቀ ደኣንት ብግልፂ ኣጫሪቱ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጎዓዝያን ከተማ ሸራሮ

1 ናይ 2010 ዓም ዝተሐደሰ ብቤት ፅሕፈት ልምዓት ደቀቅትን ኣናእሸተይን ፍቃድ ንግዲ ትካላእት ዝተዉሃበ ብርኪ ትካል ምስክር ወረቀት ምዝገባ ንግድ ምስክር ወረቀትን ናይ ኮንስትራክሽን ማለት እዉን ተኮናተርቲ ምዝገባ ካርድን ዘለኩም

3 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ምስክር ወረቀት ዘለኩም

4 ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ፀብፃብ ዝገበርክምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ አለኩም

5 ተጫረቲ ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝረከቡ ደረጃ 8 ደቂቅ ንግዲ ትካላት ናይ ኮንስትራክሽን ማሕበራት ዝምልከት ኮይኑ ኣብ ላዕሊ ዝተገለፀ ፕሮጀክት ክጫረቱ ይክእሉ እዩም

6 ናይ ጨረታ ዉሕስና ብኢትዩጰያ ንግድ ባንክ ካብ ዝተፈቀደሎም ዝተፈለጡ ባንክታት ዝዉሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና መአዘዚ ክፍሊት ገንዝብ ማለት እዉን ስፒኦ ወይድማ ብጥረ ገንዝብ 11000.00 (ዓሰርተ ሐደ ሽሕ ቅርሺ) ከቅርቡ አለዎም

7 ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀከት ስራሕቲ ሳይት ካብ ዝተረከቡ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 120 መዓልቲታት ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክቡ አለዎም

8 ኩሎም ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 29 ሕዳር 2010 ጀሚሩ ኣብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መጎዓዝያን ከተማ ሸራሮ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን ቢሮ ቁፅሪ 2 ዘይምለስ 100 ብምክፋል ክገዝኡ ይክእሉ እዩም

9 ተጫረቲ ናይ ዝጫረትሉ ፋይናንሻል ሰነድ ሐደ ዋናን ክልተ ቅዳሕን ሰነድ ጨረታ ናይ ስራሕ ተኮናተርቲ ናይ ዝተዉሃበ ምዝገባ ካርድ ፍቃድ ንግድ ስራሕ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገቡ ሙሉእ ምስክር ወረቀት ናይ ዝሐለፉ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ፀብፃብ ዝገበርክምሉ ምስክር ወረቀት ዉሕስና ጨረታ ማለት እዉን ቢድቦንድ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታት ብምዕሻግ መሊሶም ኣብ ዓብይ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ልዕሊ እቲ ፖስታ ሽም ዝጫረትሉ ፕሮጀከትን ኣድራሻን ብዝረአ ቀለም ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ኣብ ቢሮ ቍፅሪ 2 ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ 23 ታሕሳስ 2010 ዓም ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ብኣካል ብምምፃእ ከእትዉ ይክእሉ እዩም

10 ተጫረቲ ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ዝቀረቡ ቅጥዕታት ብትክክል መሊኦም ኣብ ነብስ ወከፍ ገፅ እቲ ሰነድ ፈሪሞምን ሓቲሞምን ቅደም ሰዓብ እቲ ሰነድ እንተይኣዛብዑ እቲ ሰነድ ከምቲ ክሽየጥ እንተሎ ከምዝነበሮ እንተይኣጎደሉ ከቅረቡ አለዎም

11 እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ዕለት 23 ታሕሳስ 2010 ልክዕ ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት 23 ታሕሳስ 2010 ልክዕ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 2 ክክፈት እዩ

12 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ መሉእ ብሙሉእ ወይም ብክፋልናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

13 ተጫረቲ ካብ ዝቆፅርዎም ግዚያዉ ሰራሕተኛታት ድማ 60 ሚእታዊ ንደቂ ኣንስትዩ ንከሳትፉ ድልዊ ክኮኑ አለዎም ብዘዘዘይ ፆታ አፈላላይ መዕረ ክፍሊት ንማዕረ ስራሕ ክክፈል ድልዊ ክኮኑ አለዎም

14 ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0345500595

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo