ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወርዒ ለከ ንአገልግሎት ኣብያተ ፅሕፈት እታ ወረዳ ዝዉዕሉ ኣቅሑት መሳርሒ ኤሌክትሮኒክስ : ኣቅሑት መሳርሒ ፅሕፈት : ኣቅሑት መሳርሒ ፅሬት : ኣቅሑት መሳርሒ ቢሮን ህንፃን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድይ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወርኢ ለኸ

1 ተጫረቲ ናይ መንግስቲ ግብሪ ዝኸፈሉን ናይ 2010 ዓ/ም ፍቓድ ንግዶም በቢ ዘርፉ ዘሐደሱን ዘቕርቡን Â

2 ተጫረቲ ኣብ መቕረባይነት ዝተመዝገቡን ኣብ 2010 ዓም ዝተሐደሰ ናይ መቕረባይነት መለለይ ካርድ ከቅርቡ ዝኽእሉ

3 ተጫረቲ ናይ ከፈልቲ ግብሪ መለለይ /TIN/ ከቕርቡ ዝኽእሉ

4 ተጫረቲ ቫት ዝተመዝገቡን በቢወርሑ ናይ ግብሪ ኣካቢ ኣካል ቫት ዲክለር ዝገበሩ ምኻኖም መረዳእታ ከቕርቡ ዝኽእሉ

5 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኽበሪኦም በቢዘፈሩ ብጥረ ገነዘብ 3000 ብር ወይ ብዝተረጋገፀ ቼክ ስፒኦ ከትሕዙ ዝኽእሉ

6 ጨረታ ዘሸነፉ ተጫረቲ ዉዕል ንክኣስሩ ምስተኣወጀ ድሕሪ ናይ ጥርዓን 3 መዓልቲታት ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ቀሪቦም ናይ ዘሸነፍዎ 10% ዉዕሊ መኽበሪ ብምትሓዝ ዉዕሊ ናይ ምእሳር ግቡእ ኣለዎም

7 ሰዓርቲ መፅዓንን መራገፍን ሓዊሱ ብናይ ባዕሎም መጎዓዓዚ ናብ ቤት ፅሕፈት ት/ፋይናንስን ኣታዊ ክገብሩ ዝኽእሉ

8 ዝተዳወ ሰነድ ጨረታ ነናይ ባዕሉ ዘርፊ ካብ ዕለት 27/3/2010 ጀሚሮም ክሳብ 12/04/2010 ዓም ካብ ፅሕፈት ዘይመለስ በቢዘፈሩ 30 ብር ብምኽፋል ምዉሳድ ይኽእሉ

9 ጨረታ ዕለት 12/04/2010 ዓም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ 12/04/2010 ዓም ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ዝተረኸብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ወ/ወ/ለኸ ክፍሊ ቁፅሪ 03 ዝኸፈት ይኸዉን

10 ጨረታ ምስተኸፈተ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ን10 ተኸታታሊ ናይ ስራሕ ማዓልታት ጥራሕ እዩ

11 እቲ ከይዲ ስራሕ ጨረታ ምስተከፈተ ከም ኣድላይነቱ ናይቲ ኣቕሓ መጠን ክሳብ 20% ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይኽእል

12 ፅሬት ኣቕሑት ዝምልከት ኣቐዲሙ ዝተነፀረ ብሳምፕል ወይ ኦርጅናል ኣቐሓ ብባዓል ሞያን ብኮሚቴን ብምርግጋፅ ቅቡል ዝግበር ይኸዉን

13 ቤት ፅሕፈትና እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወÂ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 03 43 46 02 82 ወይ 03 43 46 00 88 ደዊልኩምÂ ምሕታት ትኽእሉ

Â

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo