ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይ ከተማ አላማጣ ንመስራያ ቤትና ግልጋሎት ዝዉዕሉ ናይ ኤሌክትሪክ ኣቅሑት ናይ ስዊች ቦርድ ካብ ሕጋዉያን ነጋዶ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይ ከተማ አለማጣ

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም

2 ናይ ዘመኑ ግብሪ ከፊሉ ፍቃድ ዘሐደሰ

3 ናይ መቅረባይ መለለይ ካርድ ዘለዎ

4 ቲን /Tin/ ካርድ ዘለዎ

5 ቫት /Vat/ ዝትመዝገቡ ክኸዉን አለዎ

6 ናይ ጨረታ መክብሪ Bid Bond ዝምለስ 3000 ብጥረ ገንዝብ ወይም ስፒኦ ብሽም ግልጋሎት ማይ ከተማ አለማጣ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ከትሕዙ ዝክእሉ

7 ናይ ጨረታ ዝርዝር ዝሐዘ ዘይምለስ ብር 30 ብር ብምክፋል ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 26/03/2010 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 6/04/2010 ዓ/ም ብዝግዛእ ኣብ ቤት ፅሕፈት ዝተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይከኣል

8 እቲ ጨረታ ዝዝፀወሉ ዕለት 6/04/2010 ዓ/ም ሰዓት 8:20 ኮይኑ ዝክፈተሉ ድማ በዚ ዕለት እዚ ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዘለዉሉ ይክፈት

9 መሸነፋይ ካብ ዘሸነፎ ዕለት ጀሚሩ ድሕሪ 5ተ መዓልቲ ቀሪቡ ዉዕሊ ክዓስር ዝክእል

10 እቲ ዝድለ ኣቅሓ ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 15 መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ኣብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ቀረበ መስተ ማይ ከተማ ኣላማጣ ክቅርብ ዝክእል

11 መሸነፋይ ምስ ተፈለጠ ዉዕሊ መክበሪ 10% ከትሕዝ ዝክእል እቲ ንብረት ድማ ሙሉእ ብሙለእ ምስ ኣረከበ ይልቀቀሉ ንብረት ሙሉእ ብሙሉእ እንተዘይኣረኪቡ ናይቲ ዘየረከቦ ኣቅሓ 10% ይዉረስ ንቤት ፅሕፈትና ዘየዋፅእን እንድሕር ኮይኑ እቲ 10% ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምዉራስን ክሳብ ሕጊ ተከሲሱ ናይቲ ቤት ፅሕፈት ኪሳራ ዝምልስ ምካኑ ምርድእ የድሊ

12 እቲ ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነዚ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰል ዝተሐለወ እዩ

13 ነቲ ጨረታ ክዛብዕ ዝፈተነ ካብቲ ጨረታ ዝባረር ካብ ምኻኑ ንላዕሊ አበ ዝኮነ ይኩን ጨረታ ንከይሳተፍ ሰርኩላር ይተሓላለፈሉ ዘትሓዞ ቢድ ቦንድ ዉን ይውረስ

14 ሰንድ ቋንቋ ትግራኛ

15 ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 034 7740220 ወይ ከዓ 034 7740016 ብምድዋል ምሕታት ይከዓል

16 ናይ ኩሉ ዶክሜንት ዘይክፈት ብዝተኣሸገ ፖስታ ፎቶ ኮፒ ብምግባር ንክተቅርቡ ንሕብር

17 ናይ ዝተሓተትኮም ዶኩሜንት ኦርጅናል ፎቶ ኮፒን ንምግንዛብ ክተቅርቡ ንሕብር

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo