ኮሚሽን ስነ ምግባር ፀረ ግዕዝይናን ክልል ትግራይ ሕትመትን ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግን ከስርሕን ይደሊ

ኮሚሽን ስነ-ምግባርን ፀረ-ግዕዝይናን ክልል ትግራይ

1 ናይ 2009 ዓም ግብሪዝኸፈልሉ መረዳእታ ኣብ ሐደ ገፅ ኮፒ ጌሮም ከቕርብ ዝኽእሉ::

2 ኣብ ቢሮ ፋይ/ ኢኮ /ልምዓት ናይ መቕረባይነት ዝተመዝገብሉ ኣብ ሐደ ገፅ ኮፒ ጌሮም ከቕርብ ዝኽእሉ

3 ቫት(VAT) ዝተመዝገብሉ ኣብ ሐደ ገፅ ኮፒ ጌሮም ከቕርብ ዝኽእሉ

4 ቲን ቁፅሪ ዘለዎን ኣብ ኣብ ሐደ ገፅ ኮፒ ጌሮም ከቕርብ ዝኽእሉ

5 ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2010 ዓም ዲክለረሽን ከቅርብÂ ዝክእል::

6 ናይ ጨረታ መኽበሪ ንኩሎም ዓይነት ንብረት ቢድ ቦንድ ወይ ብጥረ ገንዘብ 5000 ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከትሕዝ ዝኽእል::

7 ዝተዳለወ ጨረታ ደኩመንት ካብ ኮሚሽን ቢሮ ቑፅሪ 261 ዕ/ፋ/ምም/ር ንብረት ዘይምለስ ብር 30 ከፊሎም ካብ ዕለት 20/3/2010 ክሳብ 6/4/2010 ዓ/ም ኩሉ ጊዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ ግን ንኹሉ ከይዲ ጨረታ ዕለት 6/4/2010 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ድ/ቐትሪ ዝዕፆ ይኸዉን::

8 ንኹሉ ከይዲ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 6/4/2010 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ድ/ቐትሪ ይኽዉን::

9 ኹሉ ጨረታ ተወዳዳራይ ኣብቲ ዝተነፀረ ግዜ ባዕሉ ወይ ሕጋዊ ወኪል ክረከቡ አለዎም

10 ጨረታ ብሸምዒ ዝተአሸገ ናይ ሕድሕድ ዋጋን ጠቅላላ ዋጋን ብንፁር የቅምጥ::

11 ሰዓራይ ምስተፈለጠ ኣብ ዉሽጢ 5 ናይ ስርሕ መዓልቲ ዉዕሊ ይአስር::

12 ሰዓረይ ዝሰዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጓዓዝያ ናብ ኮሚሽንና ቢሮ ቁፅሪ 261 ዕፋምምርንብረትን ብዉዕል መሰረት ኸቕርብ ዝኽእል::

13 ኣብ ከይዲ ጨረታ ንምዝባዕ ዝፈተኑ ተጫረቲ ካብ ጨረታ ወፃኢ ከምዝኾኑ ንቐፃሊ ኣብ ዕዳጋ መንግስቲ ንከይሳተፍ ከምዝግበርን ዘትሓዝዎ መክበሪ ጨረታ ከምዝዉረስን::

14 እቲ ኮሚሽን ዝሐሻ መማረፂ ተረኺቡ ብክፋል ይኹን በሙሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልዉ ምኻኑ ከምዉን ኣብ ዝተጫረቶ ንብረት በዝሒ ምዉሳክን ምቅናስን ዝክእል ምካኑ

15 ድሕሪ ምዕፃዉ ጨረታ ንዝመፅእ ሰነድ ጨረታ ተቐባልነት ከምዘይንሉ::

16 አብ ሰነድ ጨረታ ግልፂ ንዘይኾኑ ሐሳባት ብመብራህርሁ ብፅሑፍ ምሕታት ከምዝከአል::

17 ንተወሳኪ ሐበሬታ አበ ኮሚሽና ጥቓ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ዝርከብ ናይ ሓባር ህንፃ 1 ደብሪ ቢሮ ቐፅሪ 261 ብኣካል ብምምፃእ ወይ ብስልኪ ቑፅሪ 0344 404417 ምሕታት ይካኣል::
Â

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo