ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሕንጣሎ ዋጅራት ቤት ፅሕፈታት ናይ 2010 በጀት ዓመት መሳርሒ ፅሕፍት አጫሪቱ ክገዝእ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሕናጣሎ ዋጅራት

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቀሕታት

  1. ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ በቢዘፈሩ ዘለዎ
  2. ንግዲ ፍቃድ ዘሐደስኩም ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝከፈልኩምን
  3. ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮንኩምን
  4. ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለዩ ቁፅሪ ዘለዎ
  5. ናይ ዝተሓደሰ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ከቅርብ ዝክእል
  6. መከበሪ ጨረታ 5000 ቅርሺ
  7. ኩሉ መረዳእታ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርብ ዝክእል
  8. ሰዓራይ ኣካል ጨረታ ካብ ዝሰዓረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልትታት ዉዕሊ ክአስር ዝክእል
  9. ሰዓራይ ኣካል ካብቲ ዝሰዓሮ 20% ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን እቲ ወረዳ ምዉሳክ ወይዉን ምንካይ ዝክእል ምካኑ ይገልፅ
  10. ኣብቲ ዝወፀ ሰነድÂ ጨረታ ወይድማ ስፐስፊኬሽን ስርዝ ድልዝ እንተሃኒዎ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይከዉን
  11. ሰነድ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ወረዳ ሕንጣሎ ዋጅራት 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ቁፅሪ 8 ምዉሳድ ትክእሉ
  12. ብተወሳኪ ብመምርሒ ዕደጋ ክልልና ኣዋጅ ቁፅሪ 255/ 2007 ተፈፃሚ ይከዉን
  13. ሰዓራይ ኣካል ብናይ ባዕሉ መጋዕዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሕንጣሎ ዋጅራት መክዘን ከረክብ አለዎ
  14. ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ 60 መዓልቲ ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ክምዝክእል ብፊርምኦም ከረጋግፁ አለዎም
  15. ኣብቲ ጨረታ ዝወፀ ዝርዝር አቁሑት ብበጀት መሰረት ክዉክስን ክቅንስን ከምዝክእል ክፍለጥ አለዎ
  16. ሳንዱቅ ጨረታ 4 ታሕሳስ 2010 ዓም ሰዓት 3 ፡30ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4 ፡00 ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ተጫረቲ ብዘይምርካቦም ከይዲ ጨረታ ኣይተኣጋጎልን
  17. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
  18. ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ Â 0344370246 ወይድማ 0935335537 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ ።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo