ኤጀንሲ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ንዘለዉዎ መካይን ግልጋሎት ዝዉዕል ዝተፋላለዮ መለዋወጢ አቁሑት መኪና ክገዝእ ይደሊ

ኢጀንሲ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ

 በዚ ስራሕ እዚ ሕጋዊ ንግዲ ፈቃድ ዘለኩም ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም

1 ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈሉን ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድን :ናይ መቅረባይ መፍለይ ቁፅሪ /Tin number/ : VAT ተመዝገብቲ ዝኮነ : ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቐት ዝኾነ መረጋገፂ ዘቕርብ::

2 በዚ መሰረት ዝተዳለወ ዝርዝር ኣቁሕት ካብ ኤጀንስን ክፍሊ ዕዳጋ ቢሮ ቁፅሪ 110 ካብ ዕለት 18/03/2010 ዓ/ም ጀሚሩ 30.00 ቅርሺ ብምኽፋል ምዉሳድ ይካአል::

3 ናይ ጨረታ መክበሪ ሲፒኦ /CPO/ ብር 3000.00 / ሰለስተ ሽሕ ብር / ከትሕዝ ዝኽእል/ትክእል::
4 እቲ ጨረታ ዕለት 18/03/2010 ተጀሚሩ ዕለት 03/04/2010 ሰዓት 9:00 ናይ ድሕሪ ሰዓት ይዕፀዉ::

5 ጨረታ ዕለት 3/4/2010 ዓ/ም ሰዓት 9:30 አብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊÂ ወኪላት አብ ዘለዉዎ አብ ቢሮ ቁፅሪ 109 ይኽፈት::

6 ነቲ ኣቁሑት አብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ዘቅርብ::

7 ቢሮና ዝሐሸ መማረሒ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

8 ተጫረቲ ሰነድኩም ንጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ንክትእትዉ ንሕብር

9 ኣድራሻና ከበቢ ጥዕና ጣብያ መቐለ ፊትንፊት ፎቶ ደሰታ ዝርከብ ህንፃ አብርሃም ደስታ ቀደማይ ደብሪ::

10 ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344400177 ደዊልክ መብርሂ ምሕታት ይከኣል::

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo