ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን ንቤት ፅሕፈታት ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ሞተር ሳይክል እስፔርን : ናይ መኪና ጎማታት ካላማደሪያን ብግልፂ ጨረታ አወዳድር ክዕድግ ይደሊ::ስለዚ ክትጫረቱ እትደሊ ንክትወዳደሩ ንዕድም::

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን
  1. በቲ ዝተጠቀሰ ዘርፍ ንግዲ ፍቃድ ዝተሐደሰÂ ዘለኩም::
  2. ናይ 2009 ዓ/ም ግብሪ ዝኸፈልኩም::
  3. ቲነ ካርድ መረዳእታ ዘለኩም::
  4. ቫት ተመዝገበቲ ዝኾንኩም::
  5. ናይ ወርሒ መስከረም ዲክለራስዩን ዝገበርኩም::
  6. ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ሴርትፊኬት ኣተሓሒዙ ዘቅርብ::
  7. ቅድሚ ጨረታ ነቲ ጨረታ መኽበሪ 3000 (ሰለስተ ሺሕ) ብር ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ባንኪ ዝተመስከረሉ ሲፒኦ ከትሕዝÂ ዝክእል::
  8. ናይቲ ሽያጥ ዝርዝር ዶኩሜንት ዘይምለስ 50 ብር (ሓምሳ ብር) ብምክፋል ካብ ቤትÂ ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስንÂ ወረዳ ሓዉዜን ከ /ስ /ዕ /ንብ /ምም /ርን ቁፅሪ 01 ምዉሳድ ይከአል
  9. ካብ 13/03/2010 ዓ/ም ጀሚሩ ዝርዝር ናይ ጨረታ ዶክሜንት ብምዕዳግ ኣብ ናይ ባዕልና ዝተዳለወ ዶክሜንት ብምምላእ ኦርጅናልን ፎቶ ኮፒን ነንበይኑ አብ ዝተፈላለዩ ፖስታ ዓሺግኩም ፊርማን ማህተምን ተገይሩሉ አብ ቤት ፅ/ት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን ቁፅሪ 01 ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ይእቱ ::
  10. ናይ ሞተር እስፔር ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 28/3/2010 ዓም 8:00 ናይ ድሕሪ ሰዓት ተዓፅዩ ሽዑ ንሽዑ ሰዓት 8:30 ይከፈት Â
  11. ናይ መኪና ጎማታት ካላማደሪያን ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 29/3/2010 ዓም 8:00 ናይ ድሕሪ ሰዓት ተዓፅዩ ሽዑ ንሽዑ ሰዓት 8:30 ይከፈት Â
  12. እቲ ዘይሰዓረ ተጫራታይ ዘትሓዞ ናይ መኽበሪ ጨረታ ቢድባንድ ሰዓራይ ምስተገለፀÂ ብመምርሒ ዕዳጋ መሰረት ይምለሰሉ::
  13. እቲ ጨረታ ዝሰዓረ ሰብ በቲ ዝሰዓረ ዋጋ ከቅርብ ፍቃደኛ እተዘኮይኑ ዘትሓዞ ቢድ ቦንድ ናብ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ይኸዉን::
  14. ሰዓራይ ዉዕሊ ኣሲሩ ንበረት ኣታዊ ዘይገበረ እቲ ኣታዊ ዘይተገበረ ንብረት ብሕድሕድ መዓልቲ 1/1000 ተቀዒዑ እቲ ዝሰዓሮ ንበረት ኣታዊ ይገብር
  15. ሰዓራይ ዝተገለፀሉ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5(ሓሙሽተ መዓልቲ) ተካታተልቲ ዉዕልÂ ዝአስር
  16. ሰዓራይ ኣብ ዝተገለፀሉ ቀሪቡ ዉዕሊ እንተዘይ አሲሩ ብመምርሒ ዕዳጋ መሰረት ዝቅፃዕÂ ምኻኑ ::
  17. ሰዓራይ ንዝስዕሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ብምሽፋን ኣብ ወረዳ ሓዉዜን ትልምን ፋይናንስ አጎዓዒዙ ዘቅርብ
  18. ብመምርሒ መሰረት ኣብ እንዕድጎ እንዕድጎ ንብረት መጠን ፅሕፈት መሳርሒ 20 % ክንዉስክ ክንቅንስ ንክእል ኢና
  19. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረከቡ ብምሉእ ወይ ብክፋል ነቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
  20. እስፔር ሞተር ብበዓል ሞያ ምስተረጋገፀ ንብረት ኣታዊ ምስ ኮነ ክፍሊት ዝፍፀም ከም ዝኮነ አሚኑ ዝቅበል ክከዉን አለዎ

ንዝበለፀ ሐበሬታ 0346670078/ 0914138946

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo