ማሕበር ኣክስዩን ማይክሮ ፋይናንስ አደዳይ ንቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕሉ ቋሚ ንብረት (ኤሌክትሮኒክስ) ካብ ሕጋዊያን ነጋዶ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

አደዳይ ማይክሮ ፋይናንስ ሓ/ዝ/ወ/ማ
  1. ሕጋዊ ፈቃድ ዘለኩምን ናይ 2009 ዓ/ም ግብሪ ከፊልኩም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደስኩም
  2. Tin Number ተመዝገብቲ ዝኮኑ
  3. ብዝወፀ ዝርዝር /ስፔስፊኬሽን/ መሰረት ክተቕርቡ ትክእሉ
  4. ሰዓራይን ዝሰዓሮ ንብረት ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ዉዕሊ ኣሲሩ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ከቅርብ ዝክእል
  5. ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2010 ዓም ዲክሌሪስዩን ከቅርብ ዝክእል
  6. ጨረታ ሰነድ ብር 50.00 /ሓምሳ ብር/ ከፊሉ ክዕድግ ዝክእል
  7. ጨረታ መክበሪ 2% ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከትሕዝ ንዝስዓሮ ንብረት 5% ዉዕሊ መክበረ ብጥረ ገንዘብ ወይ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል
  8. ጨረታ ሰነድ ዝሽየጠሉ ካብ ዕለት 22/11/2017 ዓም ኣ.ፈ ካብ ቤት ፅሕፈት ኣደዳይ ማይክሮ ፋይናንስ ኣብ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደቂ ኣንስትዩ ትግራይ ሳልሳይ ደብሪ ክዕድግ ዝክእል
  9. ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕሸገሉ ዕለት 29/11/2017 ኣፈ ሰዓት 6:00 ቀትሪ ኮይኑ
  10. ጨረታ ሳንዱቅ ዝክፈተሉ ዕለት 29/11/2017 ኣፈ ሰዓት 9:00 ድሕሪ ሰዓት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ተወከልቲ ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
  11. ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo