ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ላዕላይ ማይጨዉ ንኣብያተ ዕዩታት እቲ ወረዳ ዘገልግሉ መሳርሒ ፅሕፈት : ናዉቲ ኤለክትሮኒክስ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ላዕላይ ማይጨዉ
  1. ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ዓመታዊ ግብሪ ዝከፈለ ን 2010 በጀት ዓመት ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሰ
  2. ናይ ነጋዳይ መለለዩ ቁፅሪ ቲን ነምበር ዘለዎ
  3. ኣብ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገበ
  4. ቫት ዝተመዝገበን ናይ ወርሒ መስከረም 2010 ዓም ሒሳቡ ዘፍለጥሉ መረዳእታ Â ከቅርቡ ዝክእሉ
  5. ልዕል ክብሉ ናይ ዝተጠቀሱ ረቋሕታት መረዳእታ ዋንኡን ሓደ ፎቶ ኮፒኡን Â ከቅርብ ዝክእል
  6. ንጨረታ መክበሪ ንዘይሰዓረ ሹዑ ንሹዑ ዝምለስ ኮይኑ ንፅሕፈት መሳርሒ 5000 ቅርሺ : ኤለክትሮኒክስ 3000 ቅርሺ ብጥረገንዘብ ወይ ተረጋጊፁ ብዝቀረበ ስፒኦ ከትሕዙ ዝክእሉ
  7. እቲ ጨረታ ሰዓራይ ምካኑ ምስተገለፀሉ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ቀሪቡ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል
  8. ተጫረቲ ዝሰዓሮ ንብረት በቲ ዝተወዳደረሉ ዝርዝር ስፐስፊኬሽን መሰረት ካብ ዉዕሊ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ10 መዓልቲ ናብ ወረዳ ላዕላይ ማይጨዉ ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ክፍሊ ኣታዊ ክገብር ዝክእል
  9. ሰነድ ጨረታ ንመሳርሒ ፅሕፈት 50 ቅርሺ፣ ንናዉቲ ኤለክትሮኒክስ 30 ብምክፋል ምዉሰድ ይከኣል
  10. ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕፀወሉ 25 ሕደር 2010 ዓም ሰዓት 3፡30 ናይ ንጉሆ ይከዉን ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4፡00 ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረት ይክፈት
  11. ቤት ፅሕፈትና መማራፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉአ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
  12. ብተወሳኪ ካብ ጠቅላላ ጨረታ 20 ሚኢታዊ ምቅናስ ወይዉን ምዉሳክ ከምዝከኣል ክፈልጥ ይግባእ

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0347753263 ብምድዋል ምሕታት ይካአል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo