ትካልና ማይጨዉ ፓርቲክል ቦርድ ኃ.ዝተ.ዉ.ል ኩባንያ ኣብ ወረዳ ኦፍላ ጣብያ ኪዳና ሳይት ግራብቁዕ ካብ ከተማ ማይጨዉ ንአንፈት ደቡብ 65 ኪሜ ወይድማ ካብ ከተማ ኮረም ንአንፈት ምዕራብ 23 ኪሜ አብ ዘሎ ሳይት ኮይኑ ጠቅላላ ዝስራሕ 6040 ሜትሮ መንገዱ ንምፅራግ ስለዝደለ ካብ 305 ንላዕሊ ፈረስ ጉልበት ዘለዎ ዶዘር ማሽን ብጨረታ አወዳዲሩ ክካረይ ይደሊ

ማይጨው ስራሕቲ ፓርቲክል ቦርድ ሓ/ዝ/ው/ማሕበር
  • ስለዝኮነ አብዚ ጨረታ ክትሳትፉ ትደልዩ ናይ ዶዘር ማሽነሪ መካረይቲ እዚ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩን ን 20 ተከታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ ማይጨዉ አብ ዝርከብ ኩባንያ ወይድማ መቐለ ቀበሌ 16 ፎቶ ደስታ ፊት ንፊት አብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ብምምፃእ ዘይምለስ ብር 100 ምስ ቫቱ ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ትክእሉ ምካንኩም ንገልፅ
  1. ተጫረቲ ሕጋዊ ዝኮነ በዚ ዘርፊ ፈቃድ ዘለዎምን ናይዚ ዓመት ግብሪ ዝከፈለን ዝሐደሱን ክኮኑ አለዎም ነዚ ንምርግጋፅ ኦርጅናል ኮፒን መረዳእታ ከቅርቡ አለዎም
  2. ተጫረቲ ቫት ተመዝገብቲ ምካኖም መረዳእታ ከቅርቡ አለዎም
  3. ተጫረቲ ናይ ንግዲ ምዝገባ ቀፅሪ ወይድማ TIN No ከህልዎም አለዎ
  4. ተጫረቲ ብፖስታ ዝተዓሸገ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይድማ ብጥረ ገንዝብ ብር 10,000 ጨረታ መክበሪ ከትሕዙ ይግባእ
  5. ተጫረቲ ጨረታ ሰነድ ብር 100 ብምክፋል መቐለ ቀበሌ 16 ፎቶ ደስታ ፊት ንፊት ዝርከብ ቤት ፅሕፈትና ወይድማ አብ ከተማ ማይጨዉ ቀበሌ 04 ዝርከብ ኩባንያ ኣብ መምርሒ ፋይናንስ መፂእኩም ምዕዳግ ዝክእሉ ምካንኩም ንሕብር
  6. ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲ ረቡዕ ዕለት 29/2/2010 ዓም ልክዕ ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ልክዕ ሰዓት 8:30 ድሕሪ ቀትሪ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወኪል ተጫረቲ ኣብ ዝተረከብሉ ማይጨዉ ቀበሌ 04 ኣብ ዝርከብ ኩባንያና ይክፈት::ትካልና ጨረታ ኣብ ዝክፈተሉ እዋን ተጫረቲ እንተዘይተረኪቦም አብዘየለዉሉ ናይ ምክፋት መሰል አለዎ
  7. ተጫረቲ ዘቅርብዎ ዓይነት ዶዘር ማሽን እቲ ስራሕ ንምስራሕ ብቅዓት ዘለዎ ክከዉን አለዎ
  8. ሰዓርቲ ተጫረቲ ዘቅርብዎ ዶዘር ማሽን ብናይ ባዕሉ ትረንስፖርት ወፃኢ ናብቲ ዝተጠቀሰ ናይ ስራሕ ሳይት የጎዓዕዝ ስራሕ ምስ ወደአ ድማ ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ወፃኢ ይምልስ ናብ ማይጨዉ ኣብ ዝርከብ ትካልና ከጎዕዝ ግዴታ አለዎ
  9. ኩባንያ ነዚ ጨረታ ብክፋል ወይ ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
  10. ንዝበለፀ ሐበሬታ ብቴልፎን 0347771259 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

Â

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo