ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ኣብ ናይ 2007 ዓ/ም በጀት ዓመት 3 ይ ዙር ዕዳጋ ዝተፈላለዩ ንብረት ብምድብ / LOT/ መቒሉ ማለት እዉን::

ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ ቑፅሪ

ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ኣብ ናይ 2007 ዓ/ም በጀት ዓመት 3 ዙር ዕዳጋ ዝተፈላለዩ ንብረት ብምድብ / LOT/ መቒሉ ማለት እዉን:;

ምድብ - 1 /LOT -1 : - ናይ ፈርኒቸር ኣቑሑት ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ስለዚ

1 በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ሓደ ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል::

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ TIN ቑፅሪ ሰርተፊኬት ሓደ ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል::

3 ንተወሳኪ እሴት ታክሲ ዝተመዝገበ VAT ምዝገባ ሰርቲፊኬትን ናይ ታሕሳስ 2007 ዓ/ም VAT ድክላሬሽን ሓደ ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል:;

4 በቲ ዘርፊ ናይ መቕረባይነት ዝተመዝገበ ምኻኑ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ምስኽር ወረቐት ዋንኡን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል::

5 ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳደደሪ ዝሰዓሮ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ እቲ ዝተሐተተ ፈርኒቸር ኣቑሑት ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቢሮና ስቶር ክፍሊ በቲ ዝተሓተተ ፅሬትን መጠንን ከቅርብ ዝኽእል::

6 ናይ መወዳደሪ ደኩሜንተ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ክኸዉን ይግባእ::

7 ተጫረቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምረሒ ጨረታን ሰነድነ ጨረታን ምድብ- 1ን / LOT -1 / ንዘለዉ ዝርዝር ንብረታት :: ንሕድሕድ ሰነድ ዘይምለስ ብር 30. 00 /ሰላሳ ብር/ ጥራሕ እናኸፈለ ካበ ቢሮና ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ፍትሒ ክልል ትገራይ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ቢሮ ቑፅሪ 317 ካብ 04 /06 /2007 ዓ/ም ክሳብ 18/ 06/2007 ዓዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዚያት ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ገዚኡ ክወዳደር ይክእል::

8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መኽበሪ ንሕድሕድ ሰነድ ጨረታ ብር 3. 500. 00 /ሰለስተ ሽሕ ሓሙሽተ ሚኢትን ብር / ጥራሕ ብሽም ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ /Bureau of Justice/ ብ CPO ወይ ብስቲፋይድ ቼክ ዉይ ድማ ብጥረ ገንዝብ ናብ ዝተዳለወ ናይ ቢሮና ጨረታ ሳንዱቅ ወይ ድማ ጨረታ ቅደሚ ምክፋቱ ከቅርብ ዝኽእል::

9 እቲ ጨረታ ዕለት 18 /06 /2007 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8:00 ድ /ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 8:30 ድ /ሰዓት ኣብ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትገራይ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቑፅሪ 317 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣበ ዘለዉሉ ይኽፈት::

10 ቢሮና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

11 እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ቢሮና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን ክሳብ 20 % ክቅንስ ክዉስክ ይክእል እዩ::

12 ሰዓራይ እቲ ዘቕርቦ ንብረት ብበዓል ሞያ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይኸዉን::

13 ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 0344408714 ደዊልካ ምሕታት ዝከኣል ምኻኑ ንሕብር::


 


 


 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo