አብ ቢሮ ኮንስትራክሽንን መንገዲ መጋዓዝያን ክልል ትግራይ ዝርከብ ዋና ከይዲ ስራሕ መንገዲ ምምዕባልን ምምሕዳርንኣብ ክልል ትግራይ ንዝስርሑ ፕሮጀክት ምሕደሩኡን ቁፅፅርን ከምኡዉን ክለሳን ዳግመ ምርኣይ ንክካየድ ኣብ በጀት ዓመት 2010 ዓም ሒዙ አለዎ በዚ መሰረት ተጫረቲ ይዕድም

ቢሮ ኮንስራክሽንን መንገድን መጋዕዝያን ክልል ትግራይ

ተጫረቲ ኣብቲ ጨረታ ንምስታፍ እዞም ዝስዕቡ ረቀሕታት ከማልኡ ኣለዎም

  1. ናይ 2009 ዓም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ አማካርነት
  2. ንግዲ ምዝገባ ምስክር ወረቀት መቅረባይነት
  3. ምዝገባ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምስክር ወረቀት
  4. ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ መለለዩ ቁፅርን ዘለዎም
  5. ዝተሓደሰ ኣብ ቢሮ ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዕዝያን ክልል ትግራይ ዝርከብ ቀንዲ ከይዲ ስራሕ ኮንስትራክሽንን ቁፅፅርን ምዝገባን ፍቃድ ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ወይ ኣብ ካልእ ክልል ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ
  6. ናይ ጨረታ ዉሕስና ኣብ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮዽያ ካብ ዝተፈቀደሎም ዝተፈለጡ ባንክታት ዝዉሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ወይ ናይ ገንዘብ ክፍሊት መክበሪ ጨረታ ኣብ ላዕሊ ዝተገለፀ መጠን ገንዘብ ከቅርቡ ኣለዎም
  7. ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ መለትዉን መንገዲ መስመራት ስራሕቲ ዉዕሊ ካብ ዝፈፀምሉ ዕለት ጀሚሩ ናይ ሕድሕድ ፕሮጀክት ግዜ ስራሕ ሙሉእ ንሙሉእ ስራሕቲ እንደተከታተሉ ክሰርሑ አለዎም
  8. ኩሎም ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 2 ጥቅምቲ 2010 ዓም ጀሚሩ ካብ ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገድን መጋዕዝያን ክልል ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 217ዘይምለስ 200 ቅርሺንሕድሕድ ፓኬጅ Â ብምክፋል ክዕድጉ ይክእሉ እዮም
  9. ተጫረቲ ናይዚ ዝጨረትሉ ፕሮጀክት ዋጋ ፋይናንሻል ቴክኒካል ሰነድን ሕድሕዶም ድማ ሓደ ዋና ክልተ ቅዳሕን፣ ሰነድ ጨረታ፣ ዉሕስና ጨረታ ፣ንግዲ ምዝገባ ምስክር ወረቀት፣ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ፣ ተኮናታርነት ምዝገባ ካርድን ፣መለለዩ ግብሪ ከፋላይ ምዝገባ ምስክር ወረቀት ፣ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምስክር ወረቀት ፣ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታታት ብምዕሻግ መሊሶም ኣብ ካሊእ ዓብዩ ፖሰታ ብምዕሻግ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብዩ ፖስታ ሽም ዝተጫረትሉ ፕሮጀክትን ኣድራሻን ብዝርአ ቀለም ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 152 ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ 17 ጥቅምቲ 2010 ዓም ሰዓት 4 ፣00 ቅድሚ ቀትሪ ብኣካል ብምምፃእ ከእትዉ ይክእሉ እዮም
  10. ተጫረቲ ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝቀርብ ቅጥዕታት ብትክክል መሊኦም ኣብ ሕድሕድ ገፅ እቲ ሰነድ ፈሪሞምን ሓቲሞምን ቅደም ሰዓብ እቲ ሰነድ እንተኣዛብዑ እቲ ሰነድ ከምቲ ክሽየጥ እንከሎ ዝነበረ ከየጋደሉ ከቅርቡ ኣለዎም
  11. እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ 17 ጥቅምቲ 2010 ዓም ልክዕ ሰዓት 4 ፡00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት 17 ጥቅምቲ Â 2010 ዓም ልክዕ ሰዓት 4፡ 30 ቅድሚ ቀተሪ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 217 ይክፈት
  12. እቲ ጨረታ ኣብ ዝተሓተ ዋጋ ዝተመስረተ መረፃ ዕደጋ ኮይኑ ዝተሓተ ናይ ናይ ቴክኒካለ ዉፅኢት ድማ 70 ሚኢታዊ ይከዉን
  13. እቲ ከይዲ ስራሕ ካልእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ናብ ቢሮ ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዕዝያን ክልል ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 217 ብኣካል ብምቅራብ ወይድማ ብቁፅሪ ስልኪ 0344410645 ወይድማÂ 0344400050 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo