ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ ከተማ መኾኒ ንዓማዊልን ንመስመር መስፋሕፍሕን ኣብ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ናይ ማይ ናዉቲ ማላትዉን ትቦታት መጋጥም ቆፃሪት ኤለክትሮመካኒካል ኤለክትሮኒክስን አቁሑትን መቀያየሪን ፕለምቢንግ ቱልስን አጫሪቱ ክገዝእ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ ከተማ መኾኒ

ነዚ ዝስዕብ ረቋሒ እተማልኡ ንክትወዳደሩ ንዕድም

ሕድሕድ ተጫረቲ ከማኦ ዝግባእ ግዴታታት

1 ናይ ኣቁሑት ዝርዝር ስፔስፊኬሽን ዘይምለስ ብር 50 ብምኽፋል ዝዉስዱ

2 ናይ 2009 ዓም ግብሪ ዝከፈልኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ ይግባእ

3 ብአቁሑት መቅረባይነት ዝተመዝገበን ናይ መቅረባይነት ወረቀት ከቀረብ ዝክእልን

4 ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገበን ወርሓዊ ሒሳብ ዘፍለጥኩምሉ መረዳእታ እተቅርቡን

5 ናይ ከፈልቲ ግብሪ መለለዩ ወይድማ ቲን ነምበር ካሊእ ሰነድን ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል

6 ብናይ ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ኣብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ ቐሪቡ ከረክብ ዝክእል

7 ጨረታ መክበሪ ብር 5000 ብጥረ ገንዝብ ወይ ድማ ብሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

8 ጨረታ ሰዓራይ ኣብ ዉሽጢ 5ተ መዓልቲ ዉዕል ክኣስር አለዎ መኽበሪ ዉዕሊ ብጥረ ገንዝብ ወይ ድማ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ወይ ድማ ካብ ዝተፈለጠ ቼክ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ክፍሊት ብዝፍፀመሉ ዓይነት ገንዘብ ካብ ናይቲ ዉዕሊ ጠቅላላ ዋጋ 10% ዉዕሊ መኽበሪ ኣብ ዕዳጋ ፈፃሚ ኣካል ከትሕዝ አለዎ

9 ጨረታ ሰዓራይ ኣብ ዉሽጢ 5ተ መዓልቲ ዘተሓተቶ መኽበሪ ዉዕሊ ዘየትሓዞ እንትኮይኑ ዕዳጋ ፈፃሚ ኣካል መክበሪ ጨረታ ይዉረስ

10 ጨረታ ዝፀንሐሉ እዋን ካብ ዕለት 01/02/2010 - 17/02/2010 ዓ/ም ንተከታታሊ 15 ማዓልቲታት ስራሕ ይከዉን

11 ጨረታ ሰነድ ዝዕደገሉ ድማ ኣብ ስራሕ ሰዓት ኩሉ ግዜን ቅድሚ ሰዓት ካብ 2:00-6:30 ድሕሪ ሰዓት ድማ ካብ 8:00 -11:30 ብተወሳኪ ድማ ቀዳም ቅድሚሰዓት ክሳብ 6:00 ሰዓት ኮይኑ ኣብ ቤ/ፅ/ግ/መስተ ማይ ከተማ መኮኒ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 4ተ ምኻኑ ንሕብር

12 ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕፀወሉ ግዜ ዕለት 17/ 02 /2010 ዓም ሰዓት 11:30 ድሕሪ ሰዓት

13 ጨረታ ሰነድ ዝክፈተሉ ግዜ ዕለት 18/02/2010 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3:30 ቅድሚ ሰዓት ይኸዉን

14 ጨረታ ምስ ተኸፈተ ተጫረቲ ኣብ ዘቅረብወ ናይ መዋዳደሪ ሓሳብ ለዉጢ /ምምሕይሽ/ ምግባር ኣይክእሉን

15 እቲ ጨረታ ተጫራታይ ሕጋ ወኪል ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት

16 እቲ ቤት ፅሕፈት ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንዝበለፀ ሓበሬታ 0346640002

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo